ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ክኽፈት ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESKEL
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ምክትል ኣቦ ወንበር መሳጋገሪ ወትሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ሎሚ ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ክልትኣዊ ርክብ ተዘራሪቦም።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ምክትል ኣቦ ወንበር መሰጋጋሪ መንግስቲ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ዶብ ንክኽፈት ተሰማሚዖም።
ነዚ ክልትኣዊ ስምምዕ ንምትግባር ዘኽእል ኮሚቴ ከም ዝቐውም ውን ተገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ምስግጋር መንግስቲ ብሰለማዊ መገዲ ንኽካየድ ከም ዝሕግዝ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍሊጡ ክብል ሚኒሰትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2018 ምስ ኤርትራ ዘዳዉብ ዶብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምግታእ ብዝብል ምኽንያት ዓጽይዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ከባቢ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ሱዳን ዓስኪሮም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እቲ ፍጻሜ ምስ ኤርትራ ዘዛምድ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይብሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም።
መራሕቲ ተቓውሞ ውድባት ፖለቲካ (ሰልፍታት) ግን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዕጥቅን ደው ንምባል፡ ክሳዕ ክንድኡ ዝኣክል ወፍርን ሰራዊትን፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜን ኣይመድለየን ብምባል ክቃወሙ ጸኒሖም እዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







