ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን 'ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣድልዎ ይበጽሐና ኣሎ' ይብሉ

ኣብ ጉዋንዙ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ተገዲዶም ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ይዛረቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጉዋንዙ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ተገዲዶም ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ይዛረቡ

ኣዴ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ ክወጽእ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ግዘ ተዋሂቡዎ።

እዚ ናይጄያዊ ተመሃራይ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጉዋንዶንግ ንክመሃር ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ'ዩ ናብ ደበባዊ ቻይና ጉዋንግዡ ከይዱ።

ናይዚ ሓድሽ ዓመት ናይ መንፈቕ ወጻኢታት ትምህርቱ ድማ ከፊሉ፤ ሃንደበት ግን እቲ ገዛ ዘካረዮ ሰብ ውጽኣለይ ኢሉዎ።

ኣብ ኣፍደገ ሓቢሮምዎ ዝነብሩ መሓዙቱን ፖሊስን ይጽበዩዎ ስለ ዝነበሩ ጉዕዝኡ ኣኻኺቡ።

'ተሓቢአለኹ'

ጉዕዝኡ ኣብ ናይ መሓዝኡ ገዛ ከቐምጥ እንትኸይድ፡ ከይኣቱ ተኸልኪሉ። በዚ ምኽንያት ንውሕ ንዝበሉ መዓልታት ኣብ ግዳም ክሓድር ተገዲዱ።

"ከመይ ይሕዙና ከም ዘለው ርኣይ፤ ካብ ገዛና ኣገዲዶም ኣውጺኦምና። መሊሶም ክንውሸብ የገድዱና ኣለው" ክብል ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ዘሎ ኣፍሪቃዊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ናይ መርመራ ውጽኢተይ ናጻ ከም ዝኾነ ነጊሮምኒ፤ ክወጽእ ግን ኣየፍቀዱለይን" ክብል እውን ገሊጹ።

ኣብ ግዋንግዡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግዋንግዡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ይነብሩ

ኣብ ጉዋንግዡ ናይ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መራሒ ዝኾነ፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ተገዲዶም ክውሸቡ ከም ዝተገብረን ኣብ ግዳም ይሓድሩ ከም ዘለውን ይዛረብ።

"ገሊኦም ተሓቢኦም ኣለው" ኢሉ።

ኩሉ ኣፍሪቃዊ ተመርሚሩ

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዚያ፡ ክልተ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ናይጄሪያውን ካብ መወሸቢ ሃዲሞም ዝብል ወረ ምስተዘርግሐ፡ ኣብታ ከተማ ዝነብሩን ዝነግዱን ኣፍሪቃውያን ኣብ ዕጽዋ ክኣትው ክግደዱ ጀሚሮም።

መራኸቢ ማዕኸን ቻይና ድማ፡ ሓደ ናይጄሪያዊ ሕሙም ንቻይናዊት ነርስ ኣጥቂዑ ዝብል ዜና ሰሪሑ።

ድሕሪ እዚ ኮሚሽን ጥዕና ብሰፊሑ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን መርመራ ከካይድ ጀሚሩ። ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ከባቢ፡ ኩሉ ኣብታ ከተማ ዝነብር ኣፍሪቃዊ ተመርሚሩ'ዩ ኢሎም።

ልዕሊ 4500 ኣብ ግዋንግዡ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን መርመራ ተገይሩሎም ድማ፡ እቶም 111 እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም።

"ኣምቡላንስን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሒዞም መጺኦም። ኩሎም ሕጊ ቻይናን መምርሒ መንግስትን እዩ ጥራሕ ኢሎም" ኢሉ ብንግዲ ዝመሓደር ኣይቬሪያዊ ሃኦ።

ኣብ ግዋንግዡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግዋንግዡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ይነብሩ

ግዋንግዡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዝነብሩላ ከተማ እያ። ኣብዚ እዋን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ከተማ ምንባር ለሚዶም ኣለው።

መብዛሕትኦም ናይ ሓጺር እዋን ቪዛ ረኺቦም ኣቑሑ ዓዲጎም ናብ ኣፍሪቃ ብምምጻእ ክንግዱ ዝኣተው'ዮም።

ኣብታ ከተማ ልዕሊ 200 ሽሕ ገዛውቲ ከም ዘለው ይግመት።

'ኣፍሪቃውያን ተመሓዘይቲ'ዮም'

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ቑጽሮም ነክዩ'ዩ። ኣብ ንግዳዊ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ሰባት ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣተሓሕዛን ፍቓድ ቪዛን ሕጉሳት ዘይምዃኖም ይገልጹ።

ብ2018፡ ኣብ ዢኦ ቢ ሉ [ኣፍሪቃውያን ብብዝሒ ዝኸድሉ ቦታ] ዝርከቡ ሆቴላት ንግዝኡ እንተኾነ'ውን ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ኮይነን።

"ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ጥዑማትን ተመሓዘይትን'ዮም። ከምቲ ዝሓለፈ እዋን ስርሖም'ዮም ዝሰርሑ ዘለው" ኢሉ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ግዋንግዡ።

"ጸገም እንተሃልዩ፡ ገለ ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዘ ዝጸንሑን ዘይሕጋዊ ነገር ዝሰርሑን ኣለው ማለት'ዩ። ምስዚ መርመራ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ግን፡ ዘይምርድዳእ ኣሎ ኢለ እየ ዝግምት። ዓሌታዊ ኣፈላላይ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ግዋንግዡ ከምኡ ኣይገብርን" ኢሉ።

"ገለ ኣፍሪቃውያን ኣንጻር ሕግታት እዚ ከባቢ ይኸዱ እንተዘይሃልዮም፡ እዞም ሰባት ንኣፍሪቃውያን ሕማቓት ኣይኮኑን" ይብል።

መንግስቲ ቻይና፡ ነቲ ዓሌታዊ በደል ይበጽሐና ኣሎ ዝብል ቅርታ ኣፍሪቃውያን ኣይቕበሎን። ቻይና ጽብቕቲ መሓዛ ኣፍሪቃ ምዃና ብምግላጽ፡ ንዓሌታዊ ወጽዓ ከም ዘይጻወር ገሊጹ።

ብዙሓት ንቢቢሲ ርኢይቶኦም ዝሃቡ ሰባት ግን፡ ብምኽንያት ዓሌትና ኢና ተፈሊና መርመራ ክንገብር ተገዲድና እዮም ዝብሉ።

"98 ሚኢታዊት ኣፍሪቃውያን ተወሺቦም ኣለው" ኢሉ እቲ ሽሙ ክንጠቕሶ ዘይፈቐደ መራሒ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰብ።

ዕጽዋ ውሃን ቐጺሉ'ሎ- ንገሊኡ

ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ቐጻሊ ክትትልን መርመራን ይግበር ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ውሃን ዝርከብ ጋናዊ ተመራቒ ተመሃራይ ሚካኤል ኣዳነይ፡ "ንሕና ኢና ኣብዚ ተሪፍና ዘለና" ኢሉ።

ንልዕሊ ክልተ ወርሒ መንግስቲ ጋና ኣብ ውሃን ዘለው ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ብማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።

ውሃን ካብ 8 ሚያዚያ ጀሚሩ እቲ ዕጽዋ ከተልዕሎ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ውሃን ካብ 8 ሚያዚያ ጀሚሩ እቲ ዕጽዋ ከተልዕሎ ጀሚራ

ኮሮናቫይረስ ውሃን ብዝለዓለ ቑጽሪ ኣብ ዘጥቅዐሉ እዋን፡ መብዛሕትአን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዜጋታተን ከግዕዛ ብዘይምኽኣለን ኣብ ውሃንን ከባቢኣን ዝነበሩ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኣፍሪቃውያን፡ መውጽኢ ስኢኖም።

"ምኽንያታዊ ንዘይኾነ መስዋእቲ ዝተወፈና መሲሉ ተሰሚዑና። ንዓና መስዋእቲ ብምግባር ካልኦት ንምድሓን ዝነበረ መደብ'ዩ ዝመስለኒ" ኢሉ ሓደ ተመሃራይ።

ውሃን ብ8 ሚያዚያ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ከብቅዕ ምስ ገበረት፡ ነገራት ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም።

ንልዕሊ ሓደ ሰሙን፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ግን ክንቀሳቐሱ ኣይክኣሉን። እዚ መዓዝ ከም ዘብቅዕ ኣይንፈልጥን ክብሉ ድማ ስግኣቶም ይገልጹ።

ገለ ክፋል ግዋንግዡ ንኡሽቶ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ገለ ክፋል ግዋንግዡ ንኡሽቶ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ይፍለጥ

ኣብ ግዋንግዡ እትርከብ ሴራሊዮናዊት ተመሃሪት ድማ ኣፍሪቃውያን ኮነ ተባሂሉ ክፍለዩ ተገይሩ እዩ ኢላ ትኣምን።

"እዚ ኩሉ ካብ ደገ ብዝመጽኡ ሰባት ዝመሓላለፍ ዝነበረ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ብምምጽኡ እዩ" ትብል። "መብዛሕትኦም ቻይናውያን እንተኾኑ'ውን ውሑድ ሚኢታዊት ኣፍሪቃውያን እውን ነይሮም"።

ኩሎም ኣፍሪቃውያን ክምርመሩ ኣለዎም ዝብል ደብዳበ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ተላኢኹላ። ክልተ ግዜ ተመርሚራ ናጻ እንተኾነት'ውን ሕጂ'ውን ተወሺባ ትርከብ።

ኮሮና
ኮሮና

"ከምዚ ብምግባር፡ ኣብ ግዋንግዡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም ዓሌታውነትን ኣድልዎን ከም ዘሎ ተራእዩ'ዩ። ጸለምቲ ዘይኮኑ ጸዓዱ መሓዙተይ እቲ ንሕና እንሓልፎ ዘለና ነገር ክሓልፉ ኣይተገብረን፤ ንሕና ግን ብዙሕ ግዘ ተመርሚርና ተፈሊና ክንጸንሕ ተገይሩ" ኢላ።

"እዞም ንመወሸቢ ዝተዳለው ሆቴላት ንዓና ንጸለምቲ ግዱድ ኣብያተ ማእሰርቲ እዮም"።

ኣብ ተውሽቦ ዝርከብ ናይጄሪያዊ ነጋዳይ፡ "ፖሊስ'ዩ ካብ ገዛይ ኣውጺኡ ኣብ ግዳም ክሓድር ዝገበረኒ። ኣነ ምስቲ ገዛ ዘካረየኒ ሰብ ጸገም የብለይን፣ ተኸሲሰ'ውን ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት ግን ደቀይ ንመዓልታት ኣብ ግዳም ሓዲሮም'ዮም" ኢሉ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ግዋንግዡ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ሓድሕዶም ዘለውሉ ኩነታት ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ ብማሕበራዊ ሚዲያ ሓደ ጉጅለ መስሪቶም ኣለው። መብዛሕትኦም ናይ መርመራ ውጽኢቶም ናጻ ምዃኑ ከም ዘርኢ ድማ ይልጥፉ።

ገሊኦም ድማ ናይ ሆቴል ወጻኢታቶም ክሽፍኑ ልዕሊ ዓቕሞም ምዃኑ ይገልጹ። ኣብ ግዳም ናይ ዝሓድሩ ዘለው ኣፍሪቃውያን ምስሊ ድማ ብብዝሒ ይዘውር ኣሎ።

ም እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ተቐይሩ'ዩ።