እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ምክትታል ተሰጋጊሩ
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ዝተርኣዮ ምልክታት ኮሮናቫይረስ እናኸፍአ ብምኻዱ ኣብቲ ደቂስሉ ዘሎ ሆስፒታል ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ምክትታል ሕሙማን (ኣይሲዩ) ከም ዝተሰጋገረ ቤትጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
ወ 55 ዓመት ቦሪስ ጆንሰን፡ ጽኑዕ ምልክታት እቲ ሕማም ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ሰንበት ምሸት ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ከም ዝድቅስ ተገይሩ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ዶሚኒክ ራብ ንእኡ ተኪኡ መንግስቲ ክመርሕ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመዘዞ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚንስትር ዓባይ ብርጣንያ እንታይ ዓይነት ሕክምና'ዩ ክግበረሉ?
ትማሊ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወ ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ ቅድሚ 10 መዓልቲ'ዩ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ።
ጆንሰን ዝተፈላለዩ ምርመራታት ጥዕና ብተኸታታሊ ከምዝገበረ፡ ወሃቢ-ቃል ቤት-ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ።
በዓልቲ ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምናን ንጥዕና ዝምልከቱ ምድላዋት ሚድያ ኣቕራቢትን ዶክተር ሳራ፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ ኣፍ ልቡ ራጂ ከምዝለዓልን ምርመራ ሳንቡእ ከምዝገብርን ንቢቢሲ ሓቢራ።
ነዚ ምርመራ ዝገብር ድማ፡ ኣብ ምስትንፋስ ይጽገም እንተነይሩ ንምፍላጥ'ዩ።
ልቡ ብስሩዕ ትሰርሕ ምህላዋ ዝረጋገጸሉ ምርመራ ክግበረሉ ከምዝኽእል ዘዘኻኸረት ዶክተር ሳራ፡ ኣብ መጠን ኦክስጅን፣ ጻዕዳ ዋህዮ ደም፣ ጸላም ከብዱን ኩላሊቱን፡ ብቐጻሊ ምርመራ ክህልው ይኽእል ኢላ።
ካብ ሰብ-መዚ ዝተወሃበ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ስልጣኑ ዘሎ ኮይኑ፤ እዋናዊ ምዕባለታት በብእዋኑ ክበጽሖ ይግበር ኣሎ።።
ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ቶኒ ብሌር፡ ቦሪስ ጆንሰን ዝርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ብቕልጡፍ ክሓውይ ድማ ተመንዩ።