ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ እንታይ ይመስል?

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel

ብቀዳም ኣብ ኤርትራ ብዝተገብረ መርመራ ኮቪድ-19፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ፡ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ከም ዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ'ሎ።

ካብቶም ዕድሚኦም ካብ 29 ክሳብ 69 ዝዝርጋሕ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት፡ እቶም ሽዱሽተ ቅድሚ በረራ ምእጋዱ ናብ ኤርትራ ዝኣተው ክኾኑ እንከለው፡ እቲ ሻብዓይ ድማ ኣብታ ሃገር እንከሎ ከም ዝተለኽፈ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ካበይ ሃገር ከም ዝተበገሱ ግና እቲ መግለጺ ኣይሓበረን።

በዚ ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጸ ሰባት 29 በጺሐም ኣለው።

ኩሎም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎ ድማ እቲ ብሚኒስትሪ ዜና ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኤርትራውያን ንሃገሮም ይሕግዙ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሃገሮም ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንእትገብሮ ቃልሲ ንምሕጋዝ፡ ኣብ ሒደት መዓልታት 2.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዘዋጽኡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ እዩ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ምስ ዝርከብ ህዝቦም ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን ዝጸንሐ ባህሊ ምዃኑ ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ተመሳሳሊ ጎስጓሳት ኣብ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእን ይካየድ ምህላው'ውን ጠቒሱ።

እቲ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብቲ ሕምም ክብ ንምባል፡ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር መዓልታዊ ናይ ጥዕና መደባት ይቐርብ ምህላው ሓቢሩ።

ኤርትራ ካብ 1 ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ኩሉ ምንቅስቓሳት ዝኣገደት ኮይና፤ በረራታት፡ ህዝባዊ መጉዓዝያን፡ ናይ ውልቂ መካይን ከይንቀሳቐሱ ከልኪላ እያ።

ጓል 13 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ 2 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ካብ ዝተረጋገጸ ሰባት እታ ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ምዃና ኣፍሊጡ እዩ።

ነቲ ሕማም፡ ናብ ወጻኢ ተንቀሳቒሳ ካብ ዝነበረት ኣዲኣ ከምዝተመሓለፋ'ውን ተገሊጹ ነይሩ።

እሱራት ክፍትሑ ጻውዒት ቀሪቡ

ኤርትራ፡ ንሓደጋ ለበዳ ኮቪድ_19 ንምክልኻል ኣብታ ሃገር ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ቀሊል ገበናት ጌሮም ዝተኣስሩን፡ ከምኡ'ውን ብዕድመ ዝደፍኡን ተነቀፍቲ እሱራትን ብህጹጽ ክትፈትሕ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ተኸታታሊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸዊዓ ኣላ።

ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ልዕሊ ዓቕመን ዝሓዛን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከባ ምዃነን እሱራት ነቲ ቫይረስ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቓ እያ።

"ሰብመዚ ኤርትራ፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መሰረት ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፈትሑ እጽውዕ" ኢላ።

ክራቨዝ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዙሓት እሱራት ብሰንኪ ስእነት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ስእነት መግብን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣብ ኣብያተ ማእስርቲ ከምዝሞቱ'ውን ገሊጻ።

ኮሮና
ኮሮና