ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ተወሲኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር

ምንጪ ስእሊ, PM Office

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ከብጽሖ ዝኽእል ማሕበራዊን ፖለቲካውን ጽዕንቶ ንምንካይ፡ ሰራሕተኛታት ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ገዛ ኾይኖም ክሰርሑ ወሲኑ።

እዚ ውሳነ ካብ ጽባሕ 16 መጋቢት 2012 ዓ/ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ኣብ ገዘኦም ኮይኖም ክሰርሑ ብዛዕባ ዝፍቀደሎም ሰራሕተኛታት ዝምልከት ደንቢ ክወጽእ እዩ ድማ ተባሂሉ።

እዚ ውሳነ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝረአ ዘሎ ምጭንናቕ ትራንስፖርት ንምቅላል ብምሕሳብ ዝተወሰነ እዩ።

እቲ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ካልኦት ንኡስ ኮሚቴታት'ውን ኣቚሙ ኣሎ።