ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, PM Office
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ከብጽሖ ዝኽእል ማሕበራዊን ፖለቲካውን ጽዕንቶ ንምንካይ፡ ሰራሕተኛታት ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ገዛ ኾይኖም ክሰርሑ ወሲኑ።
እዚ ውሳነ ካብ ጽባሕ 16 መጋቢት 2012 ዓ/ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ኣብ ገዘኦም ኮይኖም ክሰርሑ ብዛዕባ ዝፍቀደሎም ሰራሕተኛታት ዝምልከት ደንቢ ክወጽእ እዩ ድማ ተባሂሉ።
እዚ ውሳነ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝረአ ዘሎ ምጭንናቕ ትራንስፖርት ንምቅላል ብምሕሳብ ዝተወሰነ እዩ።
እቲ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ካልኦት ንኡስ ኮሚቴታት'ውን ኣቚሙ ኣሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







