እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ሳሕቲ ዝርኣያ ጻዓዱ ዘራፋት ተቐቲለን
ክልተ ሳሕቲ ዝርከባ ጸዓዱ ዘራፍት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ብዘይሕጋውያን ሃደንቲ ተቐቲለን።
ሬሳ ሓንቲ ዘራፍን ገልገልን ኣብ ጋሪሳ ዝተባህለ ከባቢ ብሓለውቲ እንስሳ'ዩ ተረኺቡ።
እታ ሳልሰይቲ ዘራፍ ግን ብህይወታ ተረኺባ። እዛ ብህይወታ ዝተረኸበት ጻዕዳ ዘራፍ እታ እንኮ ኣብ ዓለም ተሪፋ ዘላ ምዃና ተጣበቕቲ እንስሳታት ይሕብሩ።
ኣብ 2017፡ ናተን ስእሊ ኣብ ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዝተረገሓ ይፍለጥ።
ነተን ዘራፍ ዝቐተሉ ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጡን ስለምንታይ ከምዝቐተልወንን ኣይተነጸረን ዘሎ።
በዓልመዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ንቕትለት እተን ዘራፍት መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
እተን ዘራፍት ዝተቐትሉሉ ሕዛሕቲ ዝኾነ መከላኸሊ ከምዘይብሉን ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ዓድታት ከምዘለዋን ይግለጽ።
እዘን ጻዕዳ ሕብሪ ዘለውን ዘራፍ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ 2016 እየን ተራእየን።
ብመሰረት ንእንስሳ ዘገዳም ኣፍሪቃ ዝከታል ትካል፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት፡ 40 ሚእታዊት ዘራፍ ከምዝጠፍኣ ይሕብር።
ብዝሒ ዝራፍ፡ ኣብ 1985 ከባቢ 155ሽሕ ከምዝነበረን፤ ኣብ 2015 ድማ ናብ 97ሽሕ ከምዝወረደ ጸብጻባት እንስሳ ዘገዳም ይሕብሩ።