ኣብ ኣውስትራልያ 20 ካንጋሩ ብመኪና ተረጊጸን

ፖሊስ ኣውስትራልያ፤ ብመኪና 20 ካንጋሩ ቐቲሉ ንዝበሎ ወዲ 19 መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣእትዪ።

እዘን ብመኪና ዝተረገጻ ዕስራ ካብ ከተማ ሲድኒ ንሸነኽ ደቡብ ኣብ ዝረከብ ናብ ሓውሲ ገጠር ኣብ ዝወስድ ጽርግያ እየን ተረኺበን።

ፖሊስ ኣውስትራልያ እቲ ሓደጋ ብለይቲ ኣጋጢሙ ከምዝኸውን ከምዝጥርጥሩን እቲ ጥርጡር ብሰሉስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ሓቢሩ።

ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ጭካነ ዝመልኦ ሓደጋ ንዘውረደ ሰብ፡ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርትን፡ 15 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ዘቕጽዕ ሕጊ ኣለዋ።

እዚ ካብ ከተማ ሲድኒ ንሸነኽ ደቡብ 540 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሰራሕተኛታት ምክትታልን ምድሓንን እንስሳ ዘገዳም ኣውስትራልያ፡ ንሬሳ እዘን ካንጋሮታት ድሕሪ ምርካቦም 'ዘሰንብድ ክስትት' ክብሉ ገሊጾምዎ።

ሰራሕተኛታት ምክትታልን ምድሓንን እንስሳ፡ ሰለስተ ኣዴታተን ዝሞትአን ዕያውቲ ካንጋሮ ናብ ብኽንክን ክዓብያሉ ዝኽእላ ቦታ ከምዝወሰድወን ብምሕባር፡ እቲ ነዚ ገበን ከዝፈጸመ ዝተጠርጠረ መንእሰይ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ሓቢሮም።

ኣብ ኣውስትራያ ኣብ 2017-2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 57,000 ኣብ ልዕሊ እንስሳ ጭካነ ምስ ምፍጻም ዝተሓሓዝ ክሲ ከምዘቐረበ ጸብጻባት ይሕብሩ።