እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩት ባደር ጊንስበርግ፡ ዓንዲ ደቂ'ንስትዮ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ
ዛንታ ሩት-ባደር-ጊንስበርግ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ኢልና እንተድኣ ሓቲትና፤ ጽልዋኣ ኢልና ሓጺር መልሲ ክንህብ ንኽእል።
ካብ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ብዙሃን ከም እንሰምዖን እነንብቦን፡ ህላውኣ ንኣተሓሳስባ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝለወጠን፡ ንሕብረተሰባ ድማ መልክዑ ክቕየር ከም ዝገበረት ዝምስክሩላ ተዓዘብትን ፈሊጣንን ብዙሓት'ዮም።
ጾታዊ ማዕርነት ክስድር፣ ኣድልዎ ዜጋታት (ዘርኣውነት) ክጕነ፣ ናይ መሃያ ምምጥጣን (ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን) ክትኣታቶ፣ መሰላት ዉሑዳንን ስንኩላንን ክሕሎ፣ ምን'ጻል ጥንሲ መሰል ምዃኑ ዘመስከረት፣ ሕጊ ኣብ ኩሎም ዜጋታታት ብማዕረ ክባጻሕ ዝጐስጐሰት ናይ ሕጊ ክኢላ'ያ።
ኣበርክቶኣ መሰረት ብምግባር ድማ ሽልማት በርግሩወን (Berggruen Prize) እዚ ዓመት ተዓዊታ።
እቲ ብልጫ ኣብ ህይወት ሰባትን ኣካይዳ ሕብረተሰብን ለውጥታት ከተኣታቱ ንዝበቕዐ ሰብ'ዩ ዝወሃብ።
ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ኸኣ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኢዩ ዝሽለም።
"ከም ሰራሕተኛ መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽልማት ክቕበል ስለ ዘይግብኣኒ እቲ ገንዘብ ንዘድልዮም ተቓለስቲ ማሕበራት እውፍዮ ኣሎኹ" ብምባል ብኡ-ንብኡ እቲ ጕዳይ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣንበረትሉ።
ጽልዋታት ሩት-ባደር-ጊንስበርግ
መብዝሕትኡ ሰብ ነዛ ከም ባህላዊ ኵስሚ (cultural icon) እትርአ፡ ኣብ ብሩክሊን (ኒው-ዮርክ)ዝተወልደት ሩት-ባደር-ጊንስበርግ ዝስማ ኣሜሪካዊት ናይ ሕጊ ሰብ ብ "ኣር-ቢ-ጂ" (RBG) ኢዩ ዝፈልጣ።
እዛ 87 ዓመታ ዝዓረፈት፡ ደቃቕ ዝትርኢታ ሰብ ኣበርክቶኣ ግን ኣዝዩ ግዙፍ'ዩ፣ እቲ ስሉም ታሪኻ ኸኣ ኣበዮ መራኸቢ ብዙሃንን መጻሕፍትን ሰፊሩ ይርከብ።
"ኣር-ቢ-ጂ" ኣባል ላዕላይ ቤት-ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. እያ (The Supreme Court)። ን 26 ዓመታት በዚ ዘሎዋ ዓቢ ሓላፍነት ከኣ ኣገልጊላ፣ ጌና ኸኣ ኣብ ስራሕ ትርከብ። ብሓቂ'ውን ናይ ስራሕ ሕማም ኣሎዋ ክበሃል ይከኣል።
እዛ ብሕማም እናተጠቕዐት ንስራሕ ንኽትምለስ እትህንጠ ዝነበረት፡ እተፍቅሮን የማናይ ኢዳን ዝነበረ ሰብኣያ ምስ ሞተ ንጽባሒቱ ንስራሕ ዝተመልሰት ክኢላ-ሕጊ ንማዕርነት ዜጋታት፡ ኣውራ ኸኣ ንማዕርነት ደቀ'ንስትዮ፡ ዝተቓለሰትን ዓወታት ዝተጓናጸፈትን ሰብ'ያ።
ቀንዲ ስራሕ "ኣር-ቢ-ጂ" ንሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ሕ.መ.ኣ. ቀጥ ኣቢላ ምሓዝን፡ እቶም ቅጥዕታት-ቅዋም ምስ ህይወት ዜጋታት ክሳነዩን፡ ሕግታት ንከይጥሓሱ ኸኣ እትሕሉ ፈራዲት እያ ነይራ።
እቲ ዝተዋህባ ናይ በርግሩወን ብልጫ (ሓደ ካብ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ይኸውን ኣሎ ማለት'ዩ) ኣብ ሕብረተሰብ ብዘቕረበቶ ሓሳብን ኣብ ሰብኣዊ እንተና ዜስዓበቶ ለውጥታትን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ደጊምና ምጥቃስ የድሊ።
ኣብ ሰብዓታት ኣብ ሕ.መ.ኣ. ሰብኣይ ከም ዋና፡ ሰበይቲ ድማ ከም ልቃብ-ሰብኣይ ኰይና መሰላታ ዝርገጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ "ኣር-ቢ-ጂ" ዝተዋሳኣትሎም ዳርጋ 300 ጕዳያት ቤት-ፍርዲ ነይሮም'ዮም፣ ገሊኦም ጕዳያት ከኣ ኣብቲ ዝለዓለ ናይቲ ሃገር ቤት-ፍርዲ በጺሖም'ዮም።
ዓወታት "ኣር-ቢ-ጂ"
ካብ'ቶም ትሽዓተ ላዕለዎት ዳኛታት "ኣር-ቢ-ጂ" እታ ኣዝያ እትፍለጥን ሊበራላዊት ዳኛ ምዃናን ብቀጻሊ ይንገር'ዩ። እዛ ብቃልሲ ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ማዕርነትን ፍትሕን እትፍለጥ ዳኛ ኣብ ህይወት ኣመሪካውያን ምርኡያት ርእይቶታት ኣመንጭያ'ያ።
ንኣብነት፡ ደቂ'ንስትዮ ኣብ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተሓዝአ መደበር ታዕሊም ውትህድርና ክኣትዋ (United States v. Virginia)፣ ኣንጻር ብዝሕታለ-ኣእምሮ ዝሳቐዩ ሰባት ዝነበሩ ዕቓቤታት ክልዓሉ (Olmstead v. L.C.) ብብከላ-ማይ ዘርኢ ጕዳይ (Friends of the Earth, Inc. v. Laidlaw Environmental Services, Inc.)… ወዘተ.
ንህይወት ብኣድልዎ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ዜራጕዱ ምጕታት ብምቕራብ ዓወት ተጓናጺፋ'ያ። ብዝተጓነጸፈቶም ዓወታት ኣቢላ ድማ ንሕግታት ሕ.መ.ኣ. ዝሓሸ ፍትሓውነት ኣልቢሳቶም'ያ ክበሃል ይከኣል።
ሓደ ካብ'ቶም ብኣድናቖት ዝርአ ዓወታ ኣብ ማዕርነት-ደሞዝ ዝተሞርኰሰ'ዩ። እቲ ጕዳይ ብ Lilly Ledbetter v. Goodyear Tire & Rubber Company ኢዩ ዝፍለጥ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት-ስራሕ (ኣብ ጉድዪር ዝበሃል ዓቢ ናይ ጎማ ፋብሪካ) ካብ ደቂተባዕትዮ መዘነታታ፡ ማዕሪኦም እናሰርሐት ክነሳ፡ ለጠቕ ዝበለ ደሞዝ ይወሃባ ነበረ።
"ኣር-ቢ-ጂ"፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ማዕበል ኣንጻራ ነይሩ ክነሱ - ማለት እቶም ካልኦት መሳርሕታ ፈራዶ ዘቕረብዎ ምጕት ኣንጻር መርገጺ "ኣር-ቢ-ጂ" እኳ እንተነበረ-ነቲ ማዕበል ስዒራ ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ጕዳይ ፈቲሓ እታ ጓል'ንስተይቲ ሰራሕተኛ ጉቡኣ ንክወሃባ ረትዐት። ብእኡ መሰረት ከኣ ብስም እታ ዉጽዕቲ ሰብ ዝተሰምየ ብ 2009 ንዅሉ ዜገልግል "ፍትሓዊ ሕጊ ደሞዝ" ተነድፈ።
እዞም ዝተጠቕሱ ናይ ቤት-ፍርዲ ጕዳያት ላዕለ-ላዕሎም ጥራይ'ዮም፣ ዓወታታ ሓደ-ብሓደ ንኽጽብጸቡ ዝነውሐ ሓተታ የድሊ።
መንቀል መርገጺታት "ኣር-ቢ-ጂ" ከመይ ይመስል?
ራዝያ ዒቕባል ዝተባህለት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ምስ "ኣር-ቢ-ጂ" ኣብ ናይ በርግሩወን ብልጫ እንግዶት ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ መሰረት ብምግባር ሕመረት መትከላትን እምነታትን "ኣር-ቢ-ጂ" ክንርዳእ ንኽእል።
"ኣር-ቢ-ጂ" ካብ ርኹባት ስድራ ኣይኰነትን ተወሊዳ፣ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ ድኽይ ዝበለ ከባቢ'ያ ዓብያ። ኣዲኣ ኣብ ህይወታ ዓቢ ተራ ከም እተጻወተት ባዕላ "ኣር-ቢ-ጂ" ትምስክረላ'ያ።
"ኣደይ ብነብስኻ ምሕዳርን ጥቕሚ ትምህርቲ ኣውሪሳትኒ" እናበለት ነታ ኣብ ፋብሪካ-ዓለባ እናሰርሐት ዘዕበየታ ኣዲኣ ተመጕስ።
"ኣር-ቢ-ጂ" ትኵርትን ብትምህርታ ኸኣ ንፍዕትን ስለ ዝነበረት ኣብ ሓምሳታት ኣብ ሃርቫርድ ዝተባህለ ዩኒቨርሲቲ፡ ሓደ ካብ ብሉጻት ዩኑቨርሲታት ሕ.መ.ኣ.፡ ሕጊ ንኽትምሃር ተመዝገበት።
ሽዑ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምኡ ዘኣመሰለ ትምህርትን ዩኒቨርሲትን ክመሃራ ዳርጋ ሳሕቲ ነበረ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ምሉእ ሕ.መ.ኣ. ሕጊ ዝተማህራ ደቂ'ንስትዮ 3% ጥራይ'የን ነይረን። ኣብ ሃርቫርድ ዝነበረትሉ እዋን ካብ 500 ናይ ሕጊ ተምሃሮ ሸሞንተ ደቂ'ንስትዮ ጥራይ ነበራ።
ብንእሽትኣ ስለ ዝተመርዓወት ኣብ ሃርቫርድ ክትምሃር ከላ ድሮ ቆልዓ ነይሩዋ። ሰብኣያ'ውን ኣብኡ ምስኣ ይመሃር ነበረ።
ሽዑ ደቂ'ንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ንኽምሃራ ብዙሕ ጸገማት የጓንፈን ምንባሩ ብቀረባ ክትርእዮ ጀመረት። ሰብኣያ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽልተ ዓመት ምስ ተፈልያ ጽንኩር ህይወት ትመርሕ ጀመረት።
እቲ ኣቕዋም ሓላፊ ትምህርቲ (ዲን) ኣብ ልዕሊ ደቂ'ንስትዮ ዝነበሮ ኣሉታዊ ርእይቶ ("እዚ ንደቂ'ንስትዮ ዝኸውን ትምህርቲ ኣይኰነን" ዜስምዕ ርእይቶ) ትዕዘብ ነበረት። ከምኡ እናበለት ግን ትምህርታ ገጥ ኣቢላ ሓዘቶ።
"ኣር-ቢ-ጂ" ነቲ ዝተደራረበ ወጽዓታት ደቂ'ንስትዮ ብቐረባ ትርእዮ ነይራ'ያ። ሰብኣያ ካብ ኣገልግሎት ውትህድርና ምስ ተመልሰ ኣይጠዓየን። ንጓላ እናዕበየት፡ንሰብኣያ ኸኣ እናልዓለት ግን ትምህርታ ቀጸለት። ሰብኣያ ምስ ሓወየ ንንውዮርክ ብስራሕ ግዓዘ፣ "ኣር-ቢ-ጂ" ኸኣ ናይ ሃርቫርድ ትምህርታ ኣቋሪጻ ተኸቲላቶ ገዓዘት።
ዝገበረት ገይራ፡ ድሕሪ ሃርቫርድ ማለት'ዩ፡ ካብ ኮሉምብያ ዩኒቨርሲቲ (ኒውዮርክ) ትምህርታ ቀጸለት፣ ልዑል ነጥቢ ብምምጻእ ከኣ ብሕጊ ምስ ተመረቐት ራህዋ ኣብ ህይወታ ደበኽ ኣይበለን።
ጓል'ንስተይቲ ስለ ዝዀነት ኣብ ናይ ሕጊ ዓለም ስራሕ ብቐሊሉ ኣይረኸበትን። ድሕሪ ሓያል ሃድን-ስራሕ ኣብ ራትገርስ ዩኒቨርሲቲ (ኒውጀርሲ) ከም መምህር ሕጊ ተቘጺረት፣ ኣብኡ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ኣገልገለት። ብድሕሪኡ ናብቲ ዝተመረቐትሉ ዩኒቨርሲቲ (ኣብ ኮሉምብያ/ኒውዮርክ) ብምምላስ ንሸሞንተ ዓመታት ሰርሐት።
"ኣር-ቢ-ጂ" እናመሃረት ከኣ ኣደ-መንበር ናይ ሓደ ንመሰላት-ሲቪል ዚጣበቕ ማሕበር ኰነት። ሽዑ'ያ ንማዕርነት ደቂ'ንስትዮን ካልኦት ባእታታትን ጽዑቕ ጐስጓስ ከተካይድ ዝጀመረት።
ብ 1980፡ ፕረዚደንት ካርተርን "ኣር-ቢ-ጂ" ኣብቲ ዓቢ ዝና ዘሎዎ ቤት ፍርዲ ዞባ ኮሉምብያ ንኸተገልግል ሓረያ፣ ኣብኡ ን 13 ዓመታት ኣገልገለት፣ ጽቡቕ ስም ከኣ ኣጥረየት።
ብ 1993 ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ከኣ ኣብዚ ዘላቶ ቦታ-ኣባል ሱፕሪም ኮርት-ንኽትከውን ሓጸያ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ምንጪ ጽገና ሕጊ ሃገር ኰይና ንማዕርነት ዉሁዳንን ስንኩላንን ዉጹዓት ዜጋታት ክብ ዘበልት።
ጥቕስታት "ኣር-ቢ-ጂ"
"ኣር-ቢ-ጂ" ኣብ ስርሓ ኣዝያ ጥንቅቕቲ'ያ፣ ኣብ ዉሕሉል ስራሕን ሃዲእካ ምስራሕን ስለ እትኣምን "ኵሉ ብሓንሳብ ክዀነልካ ኣይትጸበ፣ ኵሉ ብሓንሳብ ስለ ዘይማላእ" ትብል።
"ንጡፍ ኴንካ ንምስራሕ ካብ ሕልና ዜዕርቡ ስምዒታት ርሓቕ" ትብል፣ "ኣብ ስራሕካ ኣቓልቦኻ ብሕርቃን፡ ቅንኢ፡ ቅርታ ዘኣመሰሉ ስሚዒታት ኣይሰለብ፣ በላዕቲ ጕልበትን መጥፍእ ጊዜን ስለ ዝዀኑ" ኢላ ወሰኸትሉ።
"ብኸመይ ክትዝከሪ ትደልዪ?" ኢሎም ምስ ሓተተዋ ድማ ከምዚ ኢላ መለሰት ... "ክትዝክሩኒ እንተድኣ ደሊኹም 'እታ ስርሓ ንክትሰርሕ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ዘሎዋ ዓቕምን ተውህቦን ተጠቒማ ዝሰርሐት ሰብ' ኢልኩም ዘክሩኒ ኢላ መለሰት።
"ናይ ሓቂ ለውጢ፡ ነባሪ ለውጢ ንኽተኣታቶ ደረጃ ብደረጃ (step-by-step) ምስ እንሰርሕ ጥራይ'ዩ ዝመጽእ" ክትብል ብዙሕ ጊዜ ትስማዕ።
'ከመይ ጌርኪ ክንድዚም ዝኣኽሉ ዓወታት ክትጓናጸፊ ከኣልኪ?' ንዚብል ሕቶ ከምዚ ኢላ መልሲ ሃበትሉ ... ነቶም እትግደሰሎም ጕዳያት ንክዕረዩ ኣበርቲዕካ ተቓለስ ... ግናኸ ተጠንቀቕ ኣገባብ ከይትስሕት፣ ካልኦት ሰባት ንሓሳብካ ተቐቢሎም ኣብ ጐንኻ ደው ከም ዝብሉ ግበር" ኢላ መለሰት።
ዕንቅፋታት መሃርቲ ምዃኖም ንምግላጽ "ኣብ ህይወት መተዓናቐጽቲ ኢልና እንዝንጥሎም ጕዳያት ጸጋታት ኰይኖም ስለ ንረኽቦም (ካብ ዕንቅፋት ኣይንህደም)" ትብል።
ብዛዕባ "ኣር-ቢ-ጂ" ዓሚቝ ፍልጠት ንክህልወና ብዛዕባኣ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምንባብን ዝተሰነዱ ፊልምታት ምርኣይን ጥራይ ዘይዀነስ ኵሎም ዝመጐተትሎም ግዳያት ምክትታል የድሊ።
ናይ ሓቂ ማዕርነት ክመጽእ ሕጊ ንጾታ ዕዉር ክኽውን ይግባእ ካብ ዚብል እምነት ተበጊሳ ክሳብ ሕጂ ህርድግ ክትብል ዝጸንሐት ባህላዊ ኵስሚ'ያ።