እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓልቲ መርዕኡ "እንዳ ጓል ጠፊኡኒ" ዝበለ መርዓዊ
ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ከፋ ከተማ ቦንጋ፡ ኣብ መዓልቲ መርዕኡ "ገዛ እንዳ መርዓተይ ጠፊኡኒ" ብምባል፡ እኽለ ማይ ኣብ ዝፈሰሰሉ ዳስ ዘይተረኸበ መርዓዊ፡ ማእሰርቱ ወዲኡ ከምዝተፈተሐ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ክፍሌ ተካ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብዚ እዋን ዕድሚኡ ናብ 30 ዝጽጋዕ እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ከተማ ቦንጋ ተኻርዩ ዝነበርን ትሑት ዝበሃል መነባብሮ ዘለዎን ምዃኑ ዝፈልጥዎ ሰባት ይዛረቡ።
ሓደ መዓልቲ ንጎረባብቱ "ኣቦይ ክመስል ደልየ" ኢሉ ንጎረባብቱ ምስነገሮም፡ ተሓጒሶም ዘዝዓቕሞም ብምሕጋዝ ድግስ ደጊሶም።
ኣብቲ መዓልቲ መርዓ ድማ ዳስ ተተኺሉ፣ ሰቲ ተነስኒሱ፣ ጎረቤትን ፈታውን ተኣኪቡ "እንኳዕነይ ተዓለለ ደስ ኢሉኒሎ ኣነለ" እናበሉ ወዓሉ።
ኩሉ ተሰናዲኡ "ጋመኻያ እያነዶ ግደኻየ" ክበሃል፡ መርዓዊ ብ4 ኣወዳትን 2 ኣጓላትን ተዓጂቡ፡ መርዓት ከምጽእ ኣብ ደጫ ወረዳ ናብ ዝርከብ ሻፓ ዝበሃል ቀበሌ ኣምረሐ።
ሻፓ ካብ እንዳወዲ ናይ 1 ሰዓት ናይ እግሪ መገዲ እዩ። "ሌጋ ሽቦ" እናበሉ ድማ ኣብቲ ቦታ በጽሑ።
ኮይኑ ግና፡ እቲ መርዓዊ ገለ ከምዝጠፈኦ ስቕ ኢሉ ነቲ ከባቢ ክዘሮ ጀመረ። ብመገዲ ዝደኸሙ ኣዕሩኽቲ "ኣበይ ድዩ ዳኣ? እታ መርዓት ኣበይ ድያ ዘላ" እናበሉ ክሓትዎ ጀመሩ።
"ዓይኒ ኣዋዘየ ይጽበዶ የለኹን መይዳ ሒዘየ" ዝብላ ወይዘራዝር ወይከ።
እቲ ኩነታት ባህ ዘይበሎም ኣዕርኽቲ "እታ መርዓት ኣበይ ኣላ?" ኢሎም ከነው ኣቢሎም ይሕዝዎ።
"ገዛ ናይታ መርዓት ጠፊኡኒ" መርዓዊ መለሰ።
እቲ ጉዳይ ዝተጨነቑ ዓጀብቲ፡ ናብቶም ኣብ ዳስ ኮይኖም መርዓት ዝጽበዩ ኣጋይሽ እንታይ ሒዞም ከምዝምለሱ ጨነቖም።
ኣብ መንጎዚ ሓደ ሓሳብ ናብ ኣእምሮኦም ይመጽእ። ንሓደ ካብቶም ኣዕርኽቲ፡ ጫምኡ ከውጽእ ገይሮም ብነጸላ ሸፊኖም፡ መርኣት ኣምሲሎም ሒዞምዎ ክኣትዉ ይሰማምዑ።
ናብ እንዳ ወዲ ምስተመለሱ፡ "ብእግራ ነዊሕ ሰዓት ስለዝተጉዓዘት ደኺሙዋ እዩ" ብምባል ሓዚሎም ናብ እንዳ መርዑት ኣእትዮምዋ።
እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ዝገመተ ሰብ ኣይነበረን።
ዳሕራይ ጎረባብቲ "እሞ እታ መርዓት ናብ ዳስ ኣምጽእዋ እሞ ድራር ክንበልዕ እምበር" ኢሎም ይሓቱ።
ሕዚ'ውን ግን እቲ መልሲ "ደኺሙዋ እዩ" ዝብል ኮነ።
ካብቶም ዕዱማት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ሙሉጌታ ገብረሚካኤል፡ እቲ መርዓውን ኣዕርኽቱን ኣምስዮም ከምዝመጹ ይዝክር።
ሒዞምዋ ዝመጹ መርዓት ዘይኮነትስ መሓዘኦም ከምዝኾነ ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ዳስ ስለዝተሰምዐ፡ እቲ ዕዱም ተናዲዱ "ጉድ" ነናብ ገዝኡ ከምዝኸደ ይገልጽ።
ሓበሬታ ዝበጽሖ ፖሊስ ድማ፡ ነቲ መርዓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒልዎ።
"ከምዚ ዝበለ ነገር ሰሚዐ ኣይፈልጥን" ዝብል ኣቶ ሙሉጌታ፡ ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ሰብ ኣብ መርዕኡ ገንዘብ ስለዝወሃብ፡ ገንዘብ ንምርካብ ኢሉ ዝገበሮ ከምዝኾነ ጸኒሖም ከምዝተረድኡ ይገልጽ።
ነቲ መርዓ ንምድጋስ ድማ ዳርጋ ካብዘይተለቀሖ ሰብ ኣይነበረን።
እቲ መርዓዊ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ "ተሓጸየያ ነይረ። ምስተሰማማዕና ገዝኣ ጠፊኡኒ" ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ኮማንደር ክፍሌ ይገልጽ።
ፖሊስ ድማ "ንሓዳር ዝሓጸኻያ ጓል ከመይሉ ገዝኣ ይጥፍአካ?" ኢሉ ሓቲትዎ።
መርዓዊ ብግዲኡ፡ "ናብቲ ቦታ ኬድና፤ ጸልማት ስለዝነበረ ግን ገዝኣ ጠፊኡኒ። ጥራይ ኢደይ ምምላስ ስለዝኸበደንን እቶም ዕዱማት ኣታሊሉና እዩ ከይብሉንን፡ ነቲ ወዲ መርዓት ኣምሲለ ሒዘዮ ኣትየ" ክብል መሊሱ።
ነቲ መርዓት ኣምሲሉ ሒዝዎ ዝኣተወ ወዲ 'ውን ከምዘይፈልጦ እዩ ተዛሪቡ።
ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣጓኒፍዎ ከምዘይፈልጥ ዝገልጽ ኮማንደር ክፍሌ፡ በቲ ኩነታት ተገሪሞም ከምዝነበሩ ይገልጽ።
እቲ መርዓዊ ብምትላል ክሲ ተመስሪትዎ፡ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ጥሪ 20/2008 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ናይ ሽዱሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ጽኑዕ እስራት ፈሪዱሉ።
እቲ መርዓት መሲሉ ዘታለለ ተሓባባሪ ግን ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ኣይተፈረዶን።