እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዘዲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንእኡ ዝመስል መደናገሪ ሰብ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ወረ ነጺግዎ
ፕረዘዲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሕነቱ ንምውሓስ ንእኡ ዝመስል መደናገሪ ሰብ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ወረ ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ።
ንሱ ምስ መንግስታዊ ማእከን ዜና ታስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣብ ፈለማታት 2000 ሩስያ ምስ ቸችንያ ትዋጋእ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሰብ መዚ ጸጥታ ነቲ ሓሳብ ኣቕሪቦምሉ ምንባሮም እኳ እንተተኣመነ፡ ነቲ ውጥን ከም ዝነጸጎ ተዘሪቡ።
ወዲ 67 ዓመት ኣባል ስለያ ሩስያ ኬጂቢ ነበር፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብቲ እዋን ናብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ይገይሽ ነይሩ።
ኣብ ሓደ እዋን እቲ ሰብ ፑቲን ተመሲሉ ነቲ ኣብ ቸችንያ ዝዋጋእ ዝነበረ ሰራዊት ሩስያ ክበጽሕ መደብ ከም ዝነበረ ብዙሓት ይዛረቡ።
እቲ ካብ 2000 ጀሚሩ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፑቲን ግና እቲ ጠለብ ብተደጋጋሚ እኳ እንተቐረበሉ ከም ዝነጸጎ ሓቢሩ።
"ማንታ ፑቲን" ከምኡውን "ቅዳሕ ምስሊ ፑቲን" ዝብላ ቃላት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ብዝተኣሳሰር ኣብ ኢንተርነት ብብዝሒ ዝእለሻ ቃላት እየን፤ "ንስኻ እቲ ሓቀኛ [ፑቲን] ዲኻ?" ክብል እዩ እቲ ሩስያዊ ጋዜጠኛ ነቲ ሕቶ ዘቕረበሉ?
ፕረዚደንት ፑቲን እቲ ሓቀኛ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንእኡ ዝመስል መደናገሪ ሰብ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ወረ ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ዝነጸጎ።
እቲ ሓሳብ "ኣብቲ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ሓዪሉሉ ዝነበረ" እዋን ኲናት 1999-2009 ኣዘራራቢ ምንባሩ እቲ ፐረዚደነት ገሊጹ።
ፑቲን፡ እቲ ራብዓይ እብረ ስልጣኑ ምስ ኣብቅዐ ኣብ 2024 ካብ ስልጣን ክወርድ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ ግና ካልእ መዝነት ክደልይ ወይ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከም ዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ።
ፑቲን፡ ድሕሪ ጆሴፍ ስታሊን፡ ንዝነውሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሩስያዊ መራሒ እዩ።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብቲ ንኩነታት ሃገሩ ኣመልኪቱ ዓመታዊ ኣብ ዘህቦ መብርሂ፡ ኣብ ቅዋም ለውጥታት ክግበር እማመ ኣቕሪቡ እዩ። እቲ ዝርዝር ግና ጌና ኣይተነጸረን።