ዙር ርዋንዳ ሻድሻይ መድረኽ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ዓቂቡ፡ ሙጊሻ ናይ ጊዜ ፍልልዩ ኣጽቢቡ

ሻድሻይ መድረኽ ዙር ርዋንድ 2020 ኮሎምብያዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ፡ ጆናታን ረስትሬፖ ናይ ሓምሻይ መድረክ ዓወቱ ደጊሙ።

127.3 ኪሜ ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ካብ ሙሳነዘ ናብ ሙሃንጋ እዩ ተኻይዱ።

ተቐዳዳሚ እስራኤል ስታርትኣፕ ስዊዘርላዳዊ ፓትሪክ ሸሊንግ ካልኣይን ተቐዳዳሚ ቲኤስጂ ሳይክሊን ኮሎምብያዊ ካርሎስ ጁልያንን ብተመሳሳሊ ግዜ [3 ሰዓት 9 ደቓይቕን 32 ካልኢትን] ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም።

ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ብሉጽ ግዜ ብምምዝጋብ ንሳልሳይ መዓልቲ ብጫ ማልያ ዓቂቡ ኣሎ።

ካልኣይ ኮይኑ ዝስዕቦ ዘሎ ተቐዳዳሚ ጋንታ ስኮል ኣድረን ሳይክሊን ኣካዳሚ፡ ርዋንዳዊ ሞይስ ሙጊሻ፡ ሎሚ ሻምናይ ብምእታው ንፍልልያቱ ዳርጋ ብፍርቂ ብምጉዳል ናብ 1 ደቒቕን 8 ካልኢትን ኣውሪድዎ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዝተኻየደ ውድድር ብዘይካ ተቐዳዳሚ እስራኤል ስታርትኣፕ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ዓንደመስቀል [5ይ ዛዚሙ]፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ሕንጻጽ ክረግጹ ኣይከኣሉን።

በዚ ድማ ብደረጃ ጋንታ ቀዳመይቲ ኮይና ክትመርሕ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ካልኣይ ወሪዳ።

ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ሻብዓይ ኮይኑ ኣትዩ።

ኣብ ናይ ፍጥነት ወይ ቮላታ፡ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ብ21 ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ ከሎ፤ ኢትዮጵያዊ ቡሩ ተመስገን ብ10 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ናትናኤል ብደረጃ መንእሰያት ተቐዳደምቲ'ውን ቅድሚት ተሰሪዑ ይመርህ ኣሎ።

ኣበዚ ናይ ሎሚ ውድድር ኣብ ከባቢ መበል 70 ኪሜ ብዘጋጠመ ምውዳቕ፡ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብምዕጋቶም ነቲ ውጽኢት ጸልይዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ዙር ርዋነዳ 2020 ካብ ዓርቢ 23 ለካቲት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ሰንበት 1 መጋቢት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ብዝካየድ ናይ ከተማ ውድድር ክዛዘም እዩ።

ዙር ርዋንዳ ናይ 2.1 መዓቀኒ ካብ ዘለዎም ክልተ ውድድራት ኣፍሪቃ ሓደ'ዩ።

ወዲ 20 ዓመት ናትናኤል ተዓዋቲ ንመንእሰያት ዝወሃብ ሰማያዊ ማልያ'ውን ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።