ካርዲናል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ብርሃነየሱስ ደመረው ንኤርትራ ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ጽምብል ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ንክሳተፉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ካርዲናልን ጳጳሳትን ልኡኻት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መሊሱዎም።

እቲ ጉጅለ ብዕድመ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣባ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፡ ብናይ ኢትዮጵያ ካቶሊክ ጳጳሳት ጉባኤ ፕረዚደንት ብጹእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደመረው፡ ከምኡ እውን ብኣቦ መንበር ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ተመሪሑ'ዩ ቀዳም 22 ለካቲት ንኤርትራ ኣትዩ።

ምስቲ ጉጅለ ዝተጓዕዙ ናይ እምደብር ሃገረ ስብከት ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ሙሴን ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ጸሓፊ ክቡር ኣባ ተሾመ ፍቅሬን ካልኦትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣትዮም።

ኩሉ እቲ ገያሻይ ከማልኦ ዝግበኦ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ቪዛ ምስተዋህቦም፡ ምእመናንን ካህናትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እናተጸበዩዎም እንከለዉ እዩ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ 'ላዕለዋይ ኣካል ክትኣትው ኣይፈቐደልኩምን' ተባሂሎም ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት ትጽቢትን ቀንፈዘውን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝተመለሱ ይግለጽ።

ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመት ወጥሪ ዶባት ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ ሰላም ተፈጢሩ ከብቅዕ፡ ከምዚ ዓይነት ክስተታት ምግጣሙ ንኣብያተ ክርስትያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ብሓቂ ከምዘሕዘኖም ቤት-ጽሕፈት ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ጉዳይ ብመንግስታዊ ኣካላት ኢትዮጵያ ተጻርዩ ግልጺ ንክኸውን ኣድላይ ጻዕሪ የካይዱ ምህላዎም የመልክት።

እቲ ኩነታት 'ንምእመናን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ህዝቢ ከምዘጉህዮን ከምዘቖጥዖን ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ግን ኩሉ ነገር ብዓቕልን ትዕግስትን ጸሎትን ከምዝፍታሕ ብምእማን ምእመናን ጸሎቶም ከዕርጉ' ጸዊዖም።

እቲ መግለጺ፡ እቶም ካርዲናል ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣሉታዊ መግለጺ ሂቦም ዝብል ጸብጻባት ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል ነጺጉ።

መንግሰቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ኣብያተ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ምህጋሩ ዝዝከር እዩ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ትካላት ባዕላቶም ከመሓድሩዎ ከምዝወሰኑ እኳ እንተገለጹ፡ ብዙሕ ካብቲ ዝተሃገረ ትካላት ኣገልግሎት ግን ደኺሙ ምህላው ምንጭታት ይገልጹ።