እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ከተማ ቡራዩ ኣቶ ሰለሞን ታደሰ ብጥይት ተቐቲሉ
ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ቡራዩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰዓት ምሳሕ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ።
ምስ ኮሚሽነር ሰለሞን ታደሰ ዝነበረ ኣዛዚ ፖሊስ ፍሉይ ወረዳ ዙርያ ፊንፊኔ ኮማንደር ተስፋዬ ድንቁ'ውን፡ ብጥይት ተሃሪሙ'ዩ።
ብተወሳኺ ካልኦት ክልተ ውልቀሰባት'ውን መጉዳእቲ በጺሑዎም ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ኮርያ ተወሲዶም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ሙስጦፋ ከድር፡ "ጭካነ ብዝተመልኦ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ናይ ሽብር ተግባር ተፈጺሙ። በዚ ምክንያት ድማ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ከተማ ቡራዩ ኣቶ ሰለሞን ታደሰ ህይወቱ ሓሊፉ" ኢሉ።
ኮማንደር ተስፋዬ ድንቁ ብጥይት ተሃሪሙ ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ። ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ጉድኣት በጺሑዎም።
ኣብዚ እዋን በዚ ጉዳይ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ከም ዘለው ዝገለጸ ኮሚሽነር ሙስጦፋ፡ ፖሊስ ናይ ምርመራ ስራሕቲ ከም ዝጀመረን ውጽኢት ንህዝቢ ከም ዘፍልጥን ተዛሪቡ።
ህዝቢ ድሕነቱ ንክሕሎ ድማ ምስ ኣካላት መንግስቲ ክተሓባበር ሓቲቱ።
መንነት ኣብ ልዕሊ እዞም ኣካላት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ግን ዛጊድ ከም ዘይተፈልጠ ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ንቢቢሲ ገሊጹ'ዩ።
ከም ሓበሬታ ኣይተ ጌታቸው፡ ክልቲኦም ሰብመዚ ኣብ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ቡራዩ ምሳሕ እናበልዑ እንከለው እዮም ጥቕዓት ወሪድዎም።
እቲ ብጥይት ተሃሪሙ ኣብ ሕክምና ክትትል ዝግበረሉ ዘሎ ኮማንደር ተስፋዩ ሕጂ ዝርከበሉ ኩነታት ክፍለጥ ኣይተኽኣለን።