ኣብ 14 ዓመተይ ተጋሲሶሙኒ፡ እቲ ቪዲዮ ድማ ኣብ መርበብ ፖርን ተለጢፉ

ምንጪ ስእሊ, Rose Kalemba
ሮስ ካሌምባ ዓሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፋ ጓል 14 ዓመት እንከላ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙዋ።
ነቲ ምግሳስ ዘርኢ ተንቀስቐሲ ምስሊ/ቪዲዮ ካብ`ቲ ተጠቂዕሉ ዝነበረ ናይ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ መርበብ ንምእላይ ከቢድ ጻዕሪ ገይራ። ብድሕሪኡ ግን ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰባት ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘጋጠሞም ሓቢሮማ።
እታ ትሕክማ ዝነበረት ነርስ ካብ`ቲ ሮስ ደቂሳትሉ ዝነበረት ክፍሊ እናወጽአት፡ ሕንቕንቕ እናበለት "ንዓኺ ከምዚ ከጋጥመኪ የሕዝነኒ፡ ጓለይ`ውን ተደፊራ ነይራ'ያ" ኢላታ።
ሮስ ነታ ነርስ እናጠመተት፡ ልዕሊ 40 ዓመት ከምዘይትኸውን ብምግማት ጓላ ከማይ ንእሽቶ ክትከውን ኣለዋ ኢላ ሓሰበት።
ነታ መጥቃዕቲ ዘጋጠመትላ ንግሆ፡ ነቶም ርህራሀ ዘይብሎም ሓደ ፖሊስን ሓኪምን ድማ ዘከረት። ኩሎም ብዛዕባ`ቲ ዘዘንተወትሎም ሰዓታት ዝወሰደ ጎነጻዊ ለይታዊ መጥቃዕቲ ክጽሕፉ እንከለዉ "እቲ ዝተባህለ" መጥቃዕቲ እናበሉ ይጽሕፉ ነይሮም። ብዘይካ ኣቦኣን ዓባያን ዝበዝሑ ቤተሰባ`ውን ኣይኣመንዋን።
ናይ`ታ ነርስ ግን ፍልይ ዝበለ ነይሩ።
"ኣሚናትኒ" ትብል ሮስ።
ነቲ ዘጋጠማ ሽግር ዝኣምን ሰብ ምርካባ ንእሽቶ ጩራ ናይ ተስፋ'ዩ ነይሩ። ንነብሳ ናይ እፎይታ ማዕበል ወረሮ`ሞ ፈላሚ ጉዕዞ ምሕዋያ ክኸውን ከምዝኽእል ተሰምዓ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ነቲ ቪዲዮ ርእዮሞ፡ ካብ ዋላ ሓደ ሰብ ድማ ናይ ርህራሀን ሓዘኔታን መልእኽቲ ኣይቀረበላን።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ሮስ ኣብ ቅድሚ መስትያት ደዊ ኢላ ነቲ ኣብ ሰለፋ ዝበጽሕ ጸሊም ጸጉሪ ርእሳ እናመሸጠት ተፈጥሮኣዊ ዕኹላል ዛውያ ንምስራሕ ትፍሕስ ነበረት። ኣዋርሕ ድሕሪ`ቲ ዘጋጠማ ጥቕዓት፡ ኣብ ዝነበረ እዋናት ግን ከም`ዚ ክትገብር ዘይሕሰብ`ዩ ነይሩ። ምስላ ንምራኣይ ክትጻወሮ ስለዘይከኣለት፡ ኩሎም`ቶም ኣብ ቤታ ዝነበሩ መረጼናት/መስትያት ብኾበርታ ተሸፊኖም ነይሮም።
ሕጂ ንሳ ጓል 25 ዓመት`ያ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወታ ድማ ልሙድ ዝተወደበ ነፍሰ-ክንክን ትገብር። ምክንኻን ጸጉራ ድማ ሓደ ካብኡ`ዩ። ምምሻጡ ጊዜን ጻዕርን ይሓትት። ዳርጋ ዓይነት ኣስተንትኖ [መዲቴሽን] ድማ`ዩ። ጽቡቕ ጸጉሪ ርእሲ ከምእትውንን ትፈልጥ`ያ፡ ሰባት`ውን ወትሩ ርእይትኦም ይገልጹላ`ዮም። ንግሆ ንግሆ ናይ ምፍዋስ ብቕዓት ኣለዎ ዝበለቶ ሓንቲ ብርጭቆ ካካዎን ጽሩይን ጥረን ቸኮላታን ኣዳልያ ትምገብ፡ ናይ ህይወት ሸቶ`ኣ ድማ ኣብ ዕለታዊ መዝገብ ተስፍር። ብፍላጥ ድማ ብህሉው እዋን [ፕረዘንት ተንስ] ገይራ ትጽሕፎም።
"ብልጽቲ ዘዋሪት መኪና`የ" ምባል ሓደ ሸቶ`ዩ። "ንሮበርት ተመርዕየ ብሓጎስ ዝነብር ሰብ`የ" ምባል ካልእ ሸቶ`ዩ። "ብልጽቲ ኣደ`የ" ምባል ድማ ካልእ`ዩ።
ሮስ ንኸተዛርበካ ኮፍ ምስ በለት ነቲ ናይ ባዕላ ድርዒ ዝኾነ ንመብዛሕትኡ ኣካላ ዝሽፍን ጸጉሪ ርእሳ ናብ መንኩባ ምስሓብ`ያ ትጅምር።
ነታ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ናይ ኦሃዮ [ኣሜሪካ] ዝዓበየት ሮስ ምሸት ቅድሚ ድቃስ ብእግራ ዘወርወር ምባል ዘይልሙድ ኣይነበረን። ሓንጎላ የሕድሰላ ነይሩ፤ ነቲ ርግኣትን ጽሩይ ንፋስን ትፈትዎ ነይራ። እታ ናይ 2009 ናይ ሓጋይ ምሸት ድማ ነታ ጓል 14 ዓመት ሮስ ሓንቲ ካብ`ተን ብዙሓት`ያ ነይራ።
እንተኾነ ግን ሓደ ሰብ ካብ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ወጺኡ ካራ እናወጣወጠ ናብ መኪና ክትኣቱ ኣገዲድዋ። ኣብ`ቲ ዳሕረዋይ ኮፍ መበሊ ናይ`ታ መኪና ድማ ሓደ ወዲ 19 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ካልእ ሰብ ነይሩ። ኣብ`ታ ከተማ ርእያቶ ትፈልጥ`ያ። ናብ`ቲ ካልእ ሸነኽ ናይ`ታ ከተማ ወሲዶም ከኣ ንልዕሊ 12 ሰዓታት ደፊሮማ። እዚ ኹሉ ክገብሩ እንከለዉ ድማ እቲ ሳልሳዮም ቪዲዮ ይቐድሕ ነይሩ።
ሮስ ኣብ ራዕዲ ብምንባራ ምስትንፋስ`ውን ተጸጊማ`ያ። ብሕማቕ ተሃሪማን ኣብ ጸጋመይቲ እግራ ብኻራ ተወጊኣን፡ ክዳንውንታ ድማ ብደም ጨቅዩ። ብተደጋጋሚ ድማ ሃለዋታ ተጥፍእ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Rose Kalemba
ኣብ ሓደ ህሞት፡ ሓደ ካብ`ኣቶም ላፕቶፕ/ኮምፒዩተር ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደቀንስትዮ ናይ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘርኢ ቪዲዮ ኣርእይዋ። "ሓንቲ ካብ`ተን ቀዳሞት [ዝተደፍራ] ካልእ ዓሌት`የ ነይረ" ትብል ። "እቶም ዓመጽቲ ጸዓዱ`ዮም ነይሮም፡ እቲ ቅርጺ ስልጣን ድማ ንጹር`ዩ ነይሩ። ካብ`ተን ግዳያት ሒደት ጸዓዱ፡ ዝበዝሓ ግን ካልእ ዓሌት እየን ነይረን" ከኣ ትብል።
ጸኒሖም፡ ክቐትልዋ ምዃኖም ኣፈራሪሖማ። ንሳ`ውን ክትዛረቦም ጀሚራ። እንተለቒቖማ መንነቶም ከምዘይትነግረሎም ሓቢራቶም፡ ሕማቕ ነገር ኣይከጋጥሞምን`ዩ ምኽንያቱ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይክፈልጥን`ዩ ኢላ ነጊራቶም።
ናብ መኪና ሰቒሎም ድማ ካብ ቤታ ናይ ሓደ ሰዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ርሕቀት ኣብ ዘለዎ ቦታ ወሲዶም ኣብ ጎደና ደርቢዮማ ከይዶም።
ኣብ ገዛ ምስ ኣተወት ምስላ ኣብ ነጸብራቕ ናይ መስትያት ምስ ረኣየቶ ካብ ርእሳ ደም ክውሕዝ ረኣየት።
ኣቦኣ ሮንን ገለ ቤተሰብን ንምሳሕ ይቀራረቡ ነይሮም። ካብ መውጋእታ ደም እናወሓዘ ድማ ኩሉ`ቲ ዘጋጠማ ነገረቶም።
"ኣቦይ ናብ ፖሊስ ደዊሉ፡ ኣጸናኒዑኒ ኸኣ፡ እቶም ካልኦት ግን ለይቲ ብእግራ ክትዛወር ኢላ ብምውጽኣ ነቲ ዘጋጠማ ነገር ባዕላ`ያ ዓዲማ ኣምጺኣቶ ኢሎም" ኢላ ሮስ።
ኣብ`ቲ ሆስፒታል ድማ ሓደ ሓኪምን ሓደ ፖሊስን ተቐቢሎማ።
"ክልቲኦም ሕሉፍ ብዝኾነ ርህራሀ ዘይብሉ ኣቀባብላ`ዮም ተቐቢሎምኒ" ትብል። "ርህራሀ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። ምዉቕ ኣቀባብላ ኣይነበረን"።
እቲ ፖሊስ፡ እቲ ነገር ብሓባራዊ ስምምዕ ድዩ ጀሚሩ ነይሩ ኢሉ ሓቲትዋ። ብሓደ ክትሓድሩ ምስ ወጻእኩም ድዩ ናብ ኣራዊታዊ ባህሪ ተቐይሩ፡ ብምባል ድማ ተገሪሙ። እቲ ዘረብኡ ግን ንሮስ ኣስደሚሙዋ።
"መልክዐይ ክልለየሉ ክሳብ ዘይክእል ኩነታት ተሃሪመ፡ ብኻራ ተወጊአ እናደመኹ…"
ኣይፋል፡ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይነበረናን በለት። ብቓንዛ እናተፋሕሰት ድማ መንነት ናይ`ቶም ተጋሰስቲ ከምዘይትፈልጦ ሓበረት። ፖሊስ ድማ መበገሲ ዝኾኖም ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ሮስ ንጽባሒቱ ንቤታ ምስ ተፋነወት፡ ብድሕሪ`ዚ ከመይ ገይራ ንቡር ህይወት ክትነብር ከምእትኽእል ብምግራም ነብሳ ክትቀትል ፈቲና። ብዕድል ግን፡ ሓዋ ረኺቡ ኣድሒኑዋ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ማይ ስፔይስ [MySpace] እናዳህሰሰት፡ ብዙሓት መማህርታ ናይቲ ቪድዮ ሊንክ እናገበሩ ሼር ክብልዎ (ክዝርግሑዎ) ረኣየት። ንዓኣ`ውን ይልቅብዋ [ታግ ይገብርዋ] ነይሮም። ምስ ጠወቐቶ ድማ ናብ`ቲ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ መርበብ ሓበሬታ ፖርንሃብ [Pornhub] መሪሑዋ። ሓያሎ ምስልታት ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ ረኣየት ድማ ስግድግድ ኢሊዋ።
"ኣርእስታት ናይ`ቶም ምስልታት ድማ `ሓንቲ እትበክን እትጽፋዕን ትሕቲ 20 ዓመት [teen] ቆልዓ`፣ `ትዓኑ ዘላ ቲን`፣ `ውኖኣ ዘጥፈአት ቲን` ዝብሉ ነይሮም። ሓንቲ ካብ`ተን ምስልታት ብ400,000 ሰባት ተራእያ ነይራ" ትብል ሮስ።
"እተን ሃለዋተይ ኣጥፊኤ እንከለኹ ዘርእያ ምስልታት እተን ኣዝየን ዝኸፋኣ`የን ነይረን። ሃለዋተይ ኣብ ዘይፈልጠሉ ዝነበርኩ እዋን ክድፈር እንከለኹ ምርኣይ እቲ ዝኸፍአ'ዩ ነይሩ"።
ቀልጢፋ ድማ ንስድራኣ ብዛዕባ`ቶም ምስልታት ንኸይትነግር ወሲና። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ስለዘይሓዘኑላን ዘይደገፍዋን ምንጋሮም ዘምጽኣላ ፋይዳ ኣይነበሮን።
ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፡ መብዛሕትኦም መማህርታ ነቲ ምስልታት ከምዝረኣይዎ ርጉጽ ነይሩ።
"ተሸዲደ`የ" ትብል ሮስ። "ሰባት ባዕላ ዘምጻኣቶ`ዩ ይብሉ ነይሮም። ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ ክገብሩኒ ባዕለይ ከምዝመራሕክዎምን፡ ግዕዝይቲ/ብዕልግቲ ይብሉኒ ነይሮም"።
ገለ ኣወዳት ካባይ ክርሕቁ ብስድራኦም ከምዝተመኽሩ ይዛረቡ ነይሮም፡ ምኽንያቱ ብወሲባዊ ተግባር ኣስዲዐ ደፊሮሙኒ ኢለ ከይከሶም ምእንቲ።
"ሰባት ነቲ ግዳይ ንምጥቃን ይቐለሎም" ትብል ሮስ።
ኣብ 2009 ነቲ ፖርንሃብ (እቲ ነቲ ስእሊ ዘርኢ መርበብ) ነቶም ምስልታት ከልግሶም ኣብ ውሽጢ ሽዲሽተ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ጽሒፈሎም ትብል ሮስ።
"ናይ ልማኖ ኢመይላት ጽሒፈሎም። ተማሕጺነዮም። `ትሕተ ዕድመ`የ፡ እዚ`ኸኣ ዓመጽ`ዩ ነይሩ፡ በጃኻትኩም ኣልግስዎም ኢለ ለሚነዮም`" ድማ ትብል።
መልሲ ግን ኣይረኸበትን፡ እቶም ምስልታት ድማ ከምዝነበርዎ ቀጺሎም።
"ንዓመትኡ ግን ንነብሰይ ካብ ሰብ ኣግሊለያ" ኢላ ትዝክር። "ዋላ ሓደ ስምዒት ዝህበኒ ነገር ኣይነበረን። ደንዚዘ"።
ዝጠመታ ሰብ ድማ ነቲ ምስልታት ርእዮዎ`ዶ ይኸውን እንዳበለት ትጭነቕ።
"ተደሲቶምሉ`ዶ ይኾኑ? ምዕማጸይ ኣርውይዎም`ዶ ይኸውን?"
ንገዛእ ርእሳ ምጥማት ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። በዚ ምኽንያት ድማ`ያ ነቶም ኣብ ቤታ ዝነበሩ መስትያታት ብኾበርታ ዝሸፈነቶም። ወትሩ በዓል መን ኮን ርእየሞ ይኾኑ ኢላ እናተጨነቐት ድማ ኣብ ጸልማት ኮይና ስናን ነብሳን ትሕጸብ።
ዳሕራይ ግን ሓደ ሓሳብ/ሜላ መጺኡላ።
ሓድሽ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ብምድላው ከም ጠበቓ ተመሲላ ብምጽሓፍ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ንፖርንሃብ ኣፈራሪሓቶም።
"ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ድማ እቶም ምስልታት ጠፊኦም"።

ድሕሪ ኣዋርሕ ምኽሪ ሰብሞያ ክትረክብ ብምጅማራ ድማ መንነት ናይ`ቶም ዓመጽታ ነቲ ንፖሊስ ክሕብር ሞያዊ ግዴታ ዝነበሮ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ [ሳይኮሎጂስት] ነጊራቶ። ብዛዕባ`ቲ ቪዲዮ ግን ንስድርኣን ንፖሊስን ኣይሓበረትን።
ፖሊስ ዘድልዮም ሓበሬታ ካብ ሮስን ካብ`ቶም ስድራን ኣኪቡ። ጠበቓታት ናይ`ቶም ተጋሰስቲ ግን ሮስ ምስ`ቶም ኣወዳት ወሲብ ክትገብር ፍታዋ ምዃኑ ገሊጻ`ያ ኢሎም ተኻቲዖም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ክንዲ ብምግሳስ "ኣብ ምጽያቕ/ምግዕዛይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ኣስተዋጽኦ ብምግባር" ተኸሲሶም፡ ንእሽቶ/ቀሊል በደል ብምዃኑ ድማ ኣብ ዝባኖም ዝጸንሕ ፍርዲ ጥራይ ተበይንሎም።
ሮስን ስድራኣን ግን ነቶም በደልቲ ከቢድ ፍርዲ ከፍርዶም ዝኽእል ብይን ንምርካብ ዘኽእሎም ሓይልን ዓቕሚ ገንዘብን የብሎምን።
ኣቦኣ ብዛዕባ`ቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ንጓሉ ዘጓነፋ ነገር ብዙሕ ከምዝሓስብ ኣይስሓትን። ብዛዕብኡ ብዙሕ ፈሊጡ እንተዝኸውን`ከ እንታይ ዝተፈለየ ነገር ምገበርኩ ኢሉ ድማ ይሓስብ። ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ ጓሉ ተቐይራ`ያ። እታ ኣብ ትምህርታ ልዑል ነጥቢ (ኤ) ትረክብ ዝነበረት ጓሉ ካብ ትምህርቲ`ውን ክትቦኩር ጀሚራ፡ ዝተዋህባ ዕዮ ገዛ ድማ ኣይትሰርሕን።

"ዓለም ብምሉኡ ዝጠለማ ኮይኑ`ዩ ዝስምዓካ" ይብል ሮን። "እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኹሉ ሰብ ከም ሓደ ዓቢ ላግጺ`ዩ ነይሩ። ንህይወታ ፈጺሙ`ዩ ቀይርዎ፡ ሰባት`ከኣ ኣብ ኩሉ ጉዕዞኣ ጠሊሞማ" ይብል ሮን።
ሮን፡ ሮስ ኣብ 2019 ብዛዕባ`ቲ ዘጋጠማ ምግሳስ ንሓደ መርበብ ሓበሬታ ምስ ኣካፈለት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስተላብዐ`ዩ ብዛዕባ ፖርንሃብ ፈሊጡ። እቶም ናይ ጓሉ ምግሳስ ዘርእዩ ምስልታት ብዙሕ ሰብ ከምዝረኣዮምን መማህርቲ ጓሉ ከምዘባጨዉላን ኣፍልጦ ኣይነበሮን።
"ተማሃራይ እንከለኹ ሓንቲ ሻሙናይ ክፍሊ ትምሃር ዝነበረት ጓል እፈልጥ ነይረ" ይብል ሮን። "ሰባት ይገንሕዋን ይሃርምዋን ነይሮም፡ ኩልና ድማ ስቕ ኢልና ንርኢ`ምበር ዋላ ሓንቲ ኣይንብልን ኔርና" ድማ ይብል።

"ድሕሪ ዓመታት ምስ`ኣ ተራኺብና፡ ክትህረም እንከላ ስቕ ኢለ ይዕዘብ ስለዝነበርኩ ግን ኣነ`ውን ደሃሊ ዝነበርኩ ይመስላ ነይሩ። ውሑዳት ሰባት`ዮም ዘሳቕይዋ ነይሮም፡ ዋላ ሓንቲ ስለዘይሓገዝናያ ግን ኩልና ኣንጻራ ዝነበርና ይመስላ ነይሩ"።
ንሮስ`ከ ከምኡ`ዶ ዘጋጠማ ኮይኑ ይስምዖ ይኸውን?
"ብልክዕ፡ ናታ ግን ዝኸፍአ`ዩ፡ ምኽንያቱ ሮስ ተወሰኽቲ ዲጂታላውያን ደሃልቲ ነይሮማ። ገሊኦም ተጻረፍቲ ገሊኦም ድማ ድምጾም ዘየስምዑ፡ ዘስቀጡ። ናታ ካልእ ዝተፈለየ ዓለም`ዩ ነይሩ"።
ኣብ ዝቐጸሉ ሒደት ዓመታት፡ ሮስ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ`ቲ ዲጂታላዊ ዓለም ጥሒላ ትጠፍእ ነይራ።
ሮስ ሓደ ሓደ እዋን ናይ ብርዒ ስም ካልእ እዋን ድማ ሓቀኛ ስማ እናተጠቕመት ብዛዕባ`ቲ ዘጋጠማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትጽሕፍ ነይራ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ 2019፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ፖርንሃብ ዝተለጠፉ ሓያሎ ጽሑፋት ኣጓኒፎማ። ኣብ ምዕቃብ ኣናህብ ንዝነጥፋ ትካላት ሓገዝ ብምውፋዩ፣ ንጽሙማን ዘገልግሉ ናይ ጽሑፍ መግለጺታት [ካፕሽንስ] ብምትእትታዉን ግዳያት ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ንዝኾናን ኣብ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ክኣትዋ ንዝደልያ ደቀንስትዮ ማህደር ትምህርቲ ዝኾነን ናይ 25,000 ዶላር ብምውፋዩ ሰባት ክንእድዎ ርእያ።

ምንጪ ስእሊ, Rose Kalemba
ኣብ 2019፡ 42 ቢልዮን ሰባት ነቲ መርበብ ሓበሬታኡ ከምዝበጽሕዎ/ዝረኣይዎ ፖርንሃብ ገሊጹ። እዚ ማለት ድማ ቁጽሪ በጻሕቲ ካብ`ታ ዝሓለፈት ዓመት ብ8.5 ቢልዮን ዓብዩ ማለት`ዩ። ብማእኸላይ ገምጋም 115 ሚሊዮን በጻሕቲ ነይሮሞ ማለት`ዩ፡ ኣብ ሓንቲ ካልኢት ድማ 1,200 ምፍታሽ/ምድላይ [ሰርችስ] ነይሮም ማለት`ዩ።
"ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንተኼንካ ፖርንሃብ ዘይከጓንፈካ ዘይሕሰብ`ዩ" ትብል ሮስ። "ንገዛእ ርእሱ ከም ሓደ `ዝተበራበረ` ተልእኾ ገይሩ ኣብ ቅድሚት ንምስራዕ ዓቢ ስራሕ ሰሪሑ`ዩ፡ ካብ`ቲ ዝነበሮ ወሲባዊ ንጥፈት ናይ ምርኣይ ተግባር`ውን ዳርጋ ሓሊፉ ከይዱ፡ ከም`ቲ ናተይ መግለጺታት ዘለዎም ምስልታት ግን ገና ኣብ`ቲ መርበብ ሓበሬታኡ ተለጢፎም ኣለዉ። ወሲባዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ምስልታት ከምዘለዉን እተን ግዳያት ድማ ምስለን ኣብ`ኡ ከምዝተጠቅዐ ይፈልጣ ድየን ኣይፈልጣን ክትፈልጠሉ እትኽእል መንገዲ የለን" ድማ ኢላ።
ኣብ`ቲ ዝለጠፈቶ ተላባዒ [ቫይራል] ጽሑፍ ዝርዝራት ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ምግሳስ ኣስፊራ፡ ፖርንሃብ ድማ ጠበቓ ተመሲላ ክሳብ እተፈራርሖ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ወቒሳ። ብደርዘናት ዝቑጸሩ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ድማ ምስልታት ንዓኣቶም ናይ ዘጋጠሞም መጥቃዕትታት`ውን ኣብ ፖርንሃብ ተለጢፉ ከምዘሎ ገሊጾም።
"እዞም ከም`ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዘሰንብዱ ጠቐነታት ሓያሎ ዓመታት ፖርንሃብ በቶም ሓደስቲ ዋናታቱ ቅድሚ ምግዝኡ ኣብ 2009`ዮም ክቕልቀሉ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ እቶም ጠቐነታት ብኸመይ ይተሓዙ ከምዝነበሩ ሓበሬታ የለን። ድሕርቲ ለውጢ ዋንነት ግን፡ ከም ኣካል ቃልስና ኣንጻር ወሲባዊ መጥቃዕቲ ቆልዑን ምልጣፍ ዘይፍቑዳት ምስልታትን፡ ፖርንሃብ ኣብ`ቲ ጽላት ኣለዉ ዝበሃሉ ጽኑዓት ናይ ድሕነት ፖሊሲታት ኣተኣታትዩ`ዩ። ሕጂ`ቲ ኩባኒያ ቮባይል ይጥቀም`ዩ። እዚ ዝለዓለ ዘመናዊ ጥበብ ዝውንን መሳርሒ`ዚ ዘይሕጋዊ ምልጣፍ ንምዕጋት ኣሰር ኢድ [ፊንገር ፕሪንት] ዝቆጻጸርን እቲ መበቆላዊ [ኦሪጂናል] ቪዲዮ ኣብ`ቲ መርበብ ከይኣቱ ይኽልክል" ኢሉ ፖርንሃብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሰደዶ መግለጺ።
ንምንታይ ከም`ቶም ናይ ሮስ ዝኣመሰሉ መግለጺታት ዝሓዙ ጽሑፋት ገና ኣብ ፖርንሃብ ተለጢፎም ይረኣዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ድማ፡ "ንሕጊ ኣጠቓቕማና ንዝኽተሉ መግለጺታት ነፍቅድ ኢና። ገለ ሰባት ነዞም ምስ ክውንነት ዘይራኸቡ ነገራት`ኳ ቅኑዓት ኮይኖም እንተዘይረኸብዎም፡ ብብዙሓት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ግን ተፈታውነት ኣለዎም፡ ብሕግታት መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ድማ ውሕስነት ዝተዋህቦ`ዮም" ኢሉ እቲ ኩባንያ።
ፖርንሃብ ኣብ 2015 "ሓባራዊ ውዕል ዘይብሎም ምስልታት ናይ ምእላይ ስርዓት" ኣተኣታትዩ፡ ምስልታት ወሲባዊ ድፍረት ግን ኣብ`ቲ መርበር ገና ይልጠፉ ኣለዉ።
ዓሚ ጥቅምቲ ወዲ 30 ዓመት ክሪስቶፈር ጆንሰን ዝተባህለ ነባሪ ፍሎሪዳ ንሓንቲ ጓል 15 ዓመት ቖልዓ ብምግሳስ ተኸሲሱ። እቶም ምግሳስ ናይ`ታ ቖልዓ ዘርእዩ ምስልታት ድማ ኣብ ፖርንሃብ ተለጢፎም ነይሮም።
ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ፖርንሃብ "ኣፍልጦ ናይ`ቲ ወሲባዊ ድፍረት ምስ ፈለጥና ቀልጢፍና ነቶም ምስልታት ናይ ምእላይ/ምልጋስ ፖሊሲ`ዩ ዘለና ብምባል፡ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ`ውን ከምኡ ኢና ጌርና ኢሉ"።.
ኣብ 2019`ውን ፖርንሃብ፡ 22 ደቀንስትዮ ንሓደ ገርልስ ዱ ፖርን ንዝተባህለ መደበር ተሌቪዥን ኣብ ምቕራጽ ምስልታት ወሲብ ንጥፈት ንኽንሳተፍ ኣገዲዱና ኢለን ምስ ከሰሳ፡ ፖርንሃብ ነቲ ምስልታት ኣልይዎ። ዋናታት`ቲ መደበር ቴሌቭዥን ድማ ብምዝውዋር ወሲብ ተኸሲሶም።

ቢቢሲ ንሓንቲ ናብ ሮስ ኢመይል ዝጸሓፈት ጓልንስተይቲ`ውን ኣዘራሪቡ። ኣብ ልዕሊኣ ምግሳስ እናተፈጸመ እንከሎ ዘርኢ ቪዲዮ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ መርበብ ሓበሬታ ተጠቂዑ ነይሩ፡ ናብ`ቲ ኩባንያ ዝሰደደቶም ተደጋገምቲ ኢመይልታ ብዘየገድስ ድማ ንዓመታት ተለጢፎም ተሪፎም። እቲ ቪዲዮ ኣብ ካልኦት ናይ ወሲባዊ ንጥፈት ዝረኣየሎም መርበባት`ውን ተጻዒኑ ኢላ`ታ ነባሪት ካሊፎርኒያ ዝኾነት ጓለንስተይቲ።
ጠበቓታት ናይ`ቲ ኩባኒያ ግን እቲ ዝወከልዎ ኩባኒያ "ኣፍልጦ ናይ`ቲ ፍጻመ የብሉን".ኢሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቢቢሲ ግን ናብ`ቲ ቪዲዮ ዝመርሑ መላግቦን [ሊንክ] ስእልታት ናይ`ቶም ንሳ ዝሰደደቶም እለዩለይ ዝብሉ ናይ ምሕጽንታ ጽሑፋትን ኣቕሪቡ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግን እቲ ቪዲዮ ተኣልዩ።

ምንጪ ስእሊ, Rose Kalemba
"እቲ ኣብ 2009 ንሮስ ዘጋጠመ ነገር ገና ሕጂ`ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ብፖርንሃብ ጥራይ ዘይኮነ ብመንገዲ ካልኦት ወሲባዊ ንጥፈታት ብነጻ ዘርእያ መርበባት`ውን ይፍጸም ኣሎ" ኢላ ከይት ኣይዛክስ ናይ`ቲ ወሲባዊ ንጥፈታት ዘርእያ መርበባት ዝምርምር ጉጅለ።
"ብዛዕባ`ዘን ብውልቀሰባት ዝተኸፍታ ወሲባዊ ንጥፈታት ዘርእያ ንኣሽቱ ፋሉላት መርበባ ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን፡ ከም ፖርንሃብ ዝኣመሰለ ዓበይቲ መርበባት ግን ብሓላፍነት ክሕተታ ኣለወን። ኣይሕተታን ዘለዋ ግን። ንዕአን ዝምልከት ሕጊ የለን" ድማ ትብል።
ምልጣፍ ናይ ሕነ ምፍዳይ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርእዩ ምስልታት ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበናዊ ሕጊ ግን ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ኢንግላንድን ወይልስን ኣብ ተግባር ጸኒሑ`ሎ። እቲ ገበን ድማ "ወሲባዊ ንጥፈት ናይ ካልእ ሰብ ንኸትሕፍሮን ጭንቀት ክትፈጥረሉን ኢልካ ብመልክዕ ስእሊ ይኹን ቪዲዮ ብዘይ ፍቓድ ናይ`ቲ ሰብ ምልጣፍ" ተባሂሉ ተገሊጹ`ሎ። ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ድማ የስዕብ። እተን ከምኡ ዓይነት ቪዲዮ ንኻልኦት ዘካፍላ [ሼር ዝገብራ] መርበባት ግን ዛጊት ብሓላፍነት ኣይተሓተታን ዘለዋ።
"እተን መርበባት ብዘይ ፍቓድ ኣብ መርበበን ዝተለጠፉ ረበሽቲ ምስልታት ከምዘለዉ ይፈልጣ`የን" ትብል ከይት። ንሳ ወሲባዊ ቪዲዮ ናይ ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ዝነበረት መሓዝኣ ኣብ ፖርንሃብ ምስ ተለጠፈ`ያ ነቲ ኖት ዮር ፖርን [Not Your Porn] ዝተባህለ መርበብ ምሂዛ። ኣብ ብሪጣኒያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ ሓምሳ ደቀንስትዮ ወሲባዊ ንጥፈታተን ዘርእዩ ቪዲዮታት ብዘይ ፍቓደን ተሊጦም ከምዘለዉ ከምዝሓበርኣ ትገልጽ። ሰላሳ ካብ ኣቶም ድማ ኣብ ፖርንሃብ ተለጢፎም ይርከቡ።
ፖርንሃብን ካልኦትን እቶም በጻሕቲ [ቪወርስ] ነቶም ቪዲዮታት ንኽጽዕንዎም [ዳውንሎድ ክገብርዎም] ስለዘፍቅዳሎም ብቐሊሉ ኣብ ካልእ ኮምፒዩተር የስፍርዎምን ምስ ካልኦት ሰባት ይካፈልዎምን ትብል ከይት።
ኖት ዮር ፖርን፡ ብዘይ ኣፍልጦ ዋና ምልጣፍ ምስልታት ወሲባዊ ንጥፈታት ብገበን ዘቕጽዕ ሕጊ ኣብ ብሪጣኒያ ክተኣታቶ ይጉስጉስ ኣሎ።
ሕጂ ሮስ ናይ መጻኢ ተስፋ ኣለዋ። ኣብ ፈለማ ናይ ዕስራታት ዓመታ ምስ`ቲ ብዛዕባ`ቲ ዘጋጠማ ምግሳስ ክትዛረብ ዘተባብዓን ናብ ንቡር ክትምለስ ዝሓገዛን ዓርካ ሮበርት ተላልያ። ተመርዕዮም ጓል ክወልዱ ድማ ትትስፎ። እቲ ቤላ ዝተባህለ ዓሌት ፒትቡል ዝኾነ ከልባ`ውን ምንጪ ሓይላ ነይሩ።
"ምስ ዓሌት ፒትቡል ኣኽላባት`የ ዓብየ። ጎነጸኛታት/ተተናኾልቲ`ዮም ተባሂሎም ይግለጹ ይኾኑ`ዮም፡ ብጣዕሚ ግን ጥዑማት`ዮም" ትብል ሮስ። "ብደቂ ሰባት እንተተገፊዖም ጥራይ`ዮም ጎነጸኛታት/ተተናኾልቲ ዝኾኑ" ድማ ትብል።
"ብብዙሕ መለክዒታት ናይ ዕድመ-ልክዕ ፍርዲ ኣብ ልዕለይ ኣሎ" ትብል ሮስ። "ዋላ ሕጂ፡ ኣብ ድኳን ዝረኸብኩዎ ዘይፈልጦ ሰብ፡ ነቶም ቪዲዮታት ርእይዎም`ዶ`ኾን ይኸውን ኢለ ይሓስብ" ድማ ትብል።
ከም ቀደም ስቕተኛ ክኸውን ግን ኣይደልይን`የ ድማ ትብል።.
"እቲ ዝሓየለ ዕጥቂ ናይ ሓደ ተጋሳሳይ ስቕታና`ዩ" ብምባል ድማ ሓሳባ ትድምድም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







