መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዛከርበርግ፡ ን 'ተጓዳኢ ትሕዝቶ' ዝቕይድ ሕጊ ክህሉ ጠሊቡ

መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ፌስቡክ፡ ማርክ ዛከርበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፌስቡክ ንምምሕልላፍ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መግትኢ ክገብር ዝጠልብ ጸቕጢ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዛከርበርግ፡ ደረት ናይ ምዝራብ መሰል ዝወሰን ብትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፤ ኣብ ኦንላይን ን 'ተጓዳኢ ትሕዝቶ' ዝቕይድ ትርር ዝበለ ሕጊ ክህሉ ጠሊቡ።

ኣብ ሙኒክ ጀርመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ድሕነት ዋዕላ መደረ ዘስምዐ ዛከርበርግ፡ ንቻይና ብምጥቃስ፡ ሕሉፍ ምቁጽጻር ርእስኻ ናይ ምግላጽ መሰል ውልቀሰባት ክጥሕስ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ልዕሊ ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንምምሕልላፍ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ መግትኢ ክገብሩ ዝጠልብ ጸቕጢ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።

ብፍላይ ፌስቡክ በቲ ናይ ፖለቲካዊ መወዓውዒ ፖሊሲኡ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ኩባንያ፡ ኣብ 2018 ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ኣብ መላእ ዓለም፡ ንፖለቲካዊ መወዓውዒ ዝምልከት ሓደስቲ ፖሊሲ ኣተኣታትዩ እዩ።

እቲ መምርሒ ዝኾነ ፖለቲካዊ መወዓውዒ ብመን ከም ዝተመወለ ክገልጽ ዘገድድን ዝኾነ ሰብ ክርእዮ ምስ ዝደሊ፡ ፈቲሹ ክረኽቦ ኣብ ዝኽእል ኩነት ንሸውዓተ መዓልቲ ክጸንሕ ዝገብር እዩ።

እንተኾነ ግና ፌስቡክ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ በከዋኽብቲ ፌስቡክ ዝቐርብ፡ ዝተመወለ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ፡ ኣብ ማዕከኑ ከምዘየካትት ሓቢሩ።

ብመሰረት ፖሊሲ ናጽነት ምዝራብ ፌስቡክ፡ ብፖለቲከኛታት ዝቐርቡ ትሕዝቶታት'ውን ወትሩ ሓቅነቶም ኣይፍተሽን እዩ።

ዛከርበርግ ነቲ መምርሒታት ከም ዝድግፎ'ውን ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቡ።

"ናይ ውልቂ ትካላት ሚዛን ማሕበራዊ ምቕሊት ንምሕላው፡ ብዘይ ተወሳኺ ደሞክራስያዊ መስርሕ፡ ብዙሕ ውሳነታት ክወስዱ ኣይንደልን ኢና" ኢሉ። "

መንግስታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድሽ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ክፈጥሩ እቲ መስራቲ ፌስቡክ ጸዊዑ።

"ከምዚ ዓይነት ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ኣብ ዘይህልወሉ፡ ንሕና ዝከኣለና ምግባር ክንቅጽል ኢና" ድማ ኢሉ።