እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወረዳ ጠምባሮ 'ካብ ሰማይ ወሪዱ' ዝተብሃለ ሓዊ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ፡ ካብ ሰማይ ወሪዱ ዝተብሃለ ሓዊ፡ ኣብ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ፡ ወረዳ ጠምባሮ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ቀበሌታት 30 ሳዕሪ ዝተኸደኑ ገዛውቲ ከምዘቃጸለ፡ ሓላፊ ውድብ ብልጽግና እቲ ወረዳ ኣይተ ደጀኔ ለመንቾ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ሓላፊ፡ ብዛዕባ እቲ ክስተት ሰሚዑ ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እቲ ሓዊ ካብ ሰማይ ከምዝወረደን፡ ካብቲ ዝቃጸል ገዛውቲ ኣቑሑት ንምውጻእ ግን ከምዘይተጸገሙ ከምዝተዛረብዎ ገሊጹ።
"ገዛውቲ እናተቓጸሉ ሰብ ንብረት ከውጽእ እንትፍትን ከምዘየቃጽል፡ ብማይ ከጥፍኡዎ እንትፍትኑ ግን ገዲዱ ከምዝነድድ ነጊሮምና" ኢሉ።
"ብኣንጻሩ ናብ ፈጣሪ ጸሎት እንትንገብር ግን እቲ ሓዊ ይንክይ ነይሩ" ከምዝበልዎ እውን ኣይተ ደጀኔ ገሊጹ።
እቲ ወሪዱ ዝተብሃለ ሓዊ ብቆርቆሮ ንዝተኸደኑ ገዛውቲ ብምግዳፍ ሓልሓሊፎም ንዘለዉ ብሳዕሪ ዝተኸደኑ ገዛውቲ ምቅጻሉ "ናይ ኣምላኽ ቁጠዐ" እዩ ዝብል እምነት ከምዘሕደረ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ካብተን ክልተ ዝጎራበታ ቀበሌታት ወጻኢ፡ እተን ካልኦት ክለተ ግን ዝተረሓሓቓ ምኻነን ተዛሪቡ።
በቲ ኣብ ኣርባዐቲአን ቀበሌታት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ወሪዱ ዝተብሃለ ሓዊ፡ ሽዱሽተ እንስሳ ዘቤትን ናይ ጣፍ ኩምርን [ኩልሳስ] ጉድኣት ከምዝበጸሖም ተገሊጹ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ 2004 ዓ.ም፡ ኣብ ጎረቤት እቲ ወረዳ ካብ ሰማይ ዘኒቡ ብዝተብሃለ ሓዊ 80 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ኣብ 2009 ዓ.ም ድማ 8 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ብምዝኽኻር እቲ ኣጋጣሚ ሓደጋ እዩ ኢሎም ንምእማን ከምዝተጸገሙ ኣቶ ደጀኔ ገሊጹ።
ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓዊ ዶ ወይስ?
ኣብ ሰፔስ ሳይንስ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ፡ ምሁር ኣስትሮኖሚን ኣስትሮ ፊዚክስን ዝኾነ ኣቶ ነብዩ ሱሌይማን፡ ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ኣዘራሪብናዮ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ሚትዮራይታት ( ካብ ህዋ ናብ መሬት ዝወድቁ ስብርባራት ከውሒ) ካብ ደቂቕ ሓሸዋ ክሳብ ዓበይቲ ኣእማን መጠን ዘለዎም ኮይኖም፡ መብዛሕተኦም ናብ መሬት ቅድሚ ምብጸሖም ተቓጺሎም ከምዝውድኡን ውሑዳት ግን ከይተወድኡ ኣብ መሬት ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።
ነዞም ኣካላት ሰብ ብልሙድ ተወርዋሪ ኮኸብ ኢሉ ከምዝጽወዖም ዝዛረብ ኣቶ ነብዩ፡ ከዋክብቲ ከምዘይኮኑ የብርህ።
ንሱ፡ መጠን ዓበይቲ ሚትዮራይታት ካብ ሓደ መኪና ክገዝፍ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2012 ኣብ ሩስያ ዝወደቑ ሚትዮራይታት ብዙሕ ሓደጋ ኣብጺሖም ምንባሮም ይገልጽ።
እዞም ኣካላት ከይተቓጸሉ ኣብ ወርሒ ዝበጽሑ ብምዃኖም እታ ፕላኔት ዝተደብደበ ዝመስል ገጽታ ከምዘለዋ ዝገልጽ ኣይተ ነብዩ፡ ናብ መሬት እንትመጹ ግን ከባቢ ኣየር መሬት ኣቃጺሉ ከምዘትርፎም ይዛረብ።
ሜቶራይታት ዝበሃሉ ስብርባራት ከውሒ፡ ስብርባር ኣካላት ኣስትሮይድን ኮሜትን እዮም።
እቶም ነዲዶም ዘይተወድኡ ኣካላት ኣብ መሬት እንተበጺሖምን ኣብ ከም ጉጂ ገዛ ዝኣመሰሉ እንተዓሪፎምን ቀስ እናበሉ ነዲዶም ክመዝወድኡ ይገልጽ።
"እቲ ኣካል ዋላ ዓብዪ እንተኾነ ናብ መሬት እንትወርድ ግና ፍጥነቱ እናወሰኸን እናተሰባበረን ይመጽእ። ፍጥነቱ ካብ ጥይት ካብ 30 ክሳብ ኣርባዓ ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል" ይብል ኣሎ ነብዩ።
ብተወሳኺ እቶም ስብርባራረት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ይሕብር።
"እቶም ኣካላት ዝቃጸል ነገር ሒዞም ኣይርዱን" ዝብል ኣቶ ነብዩ፡ "እቲ ሓዊ ኣብቶም ገዛውቲ እንትዓርፍ ነቶም ሰባት ዘየቃጸሎም፡ ተቐጻጻሊ ስለዘይኮነ ነቶም ሰባት ክጎድኦም ኣይከእልን" ይብል።
ሜቲዮራይታት ዝተፈላለዩ መዓድናት ዝሓዙ ስለዝኾኑ ኣብ ዝቃጸልሉ እዋን ዝተፈላለየ ሕብሪ ከምዘለዎም ኣቶ ነብዩ ሱሌይማን ወሲኹ ይገልጽ።