እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንፕላኔት ማርስ ሃገራዊ መዝሙር ዝደረሰ ህንዳዊ
በዓል ሞያ ሶፍትዌር ዝነበረ ህንዳዊ ኦስካር ካስቴሊኖ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ቅዲ ሙዚቃ ኦፔራ ግኑን ስም ኣለዎ። እዚ ክእለቱ ድማ ንፕላኔት ማርስ ሃገራዊ መዝሙር ክደርስ ሕፁይ ክኸውን ኣኽኢልዎ።
ሃገራዊ መዝሙር ዘይብሉ መን ኣሎ? ሃገራት? ጉጅለታት ኩዕሶ እግሪ? ውድባት ፖለቲካ? ተቓለስቲ ናፅነት? እዚኦም ኩሎም፡ ባህጎም ዕላማ ዝገበረ መዝሙር የዳልዉ እዮም።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኦስካር ካስቴሊኖ፡ ንቀያሕ ፕላኔት ሃገራዊ መዝሙር ክተዳሎ ኣለካ ዝብል ዕዮ ተዋሂብዎ።
ዕላማ ምድላው እዚ መዝሙር ድማ፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ ወድሰብ ኣብ ማርስ ምንባር እንተድኣ ጀሚሩ፡ ናይ ባዕሉ ሃገራዊ መዝሙር የድልዮ እዩ ዝብል እዩ።
ሰባት ነዚ መስሙር ክሰምዑን ክዝምሩን እንከለዉ፡ "ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ደቆምን ደቅናን፡ ንክዕልሙ እየ ዝደልይ" ይብል ኦስካር ካስቴሊኖ።
እዚ ንክሓስቡ ዝደልይ ግና፡ ንመሬት ብምልቃቕ ኣብ ማርስ ንምንባር፣ ንማርስ ምርጋፅን ኣብ ማርስ ምንባር ምልማድ ካብ ዝፈጥረልካ ውስጣዊ ፍስሃ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ብሓባር ሕልምኻ ንምዕዋት ዓብይ ፃዕሪ ከምዝጠልብ ይዛረብ።
እዘን ዝስዕባ መስመር ኣብዚ ንማርስ ዝተፅሓፈ ሃገራዊ መዝሙር ካብ ሞንጎ ዝርከብ ስታንዛ እዩ።
'Dare to dream Dare to strive! 'ንምሕላምን ንምጽዓርን ኣይትስጋእ!
'Bulid a home for our children' ንደቅና ገዛ ስርሓሎም
'Make this desert come alive' ነዚ ምድረበዳ ድማ ህይወት ዝርኣሉ
ኣብ ህንዲ ኣብ ትሕቲ እምባታት ሂማልያ ዝዓበየ ኦስካር ካስቴሊኖ፡ ኣብ ዝዓበየሉ ከባቢ ከዋኽብቲ ሰማይ ደሚቖም ይረኣዩ ነይሮም ብምባል ተዝክሩኡ ንቢቢሲ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ግዘ ቁልዕነቱ ዘሕለፎ ግዘን ተዘክሮን ድማ፡ ነዚ ግጥሚ ንክፅሕፍ ከምዝሓገዞ ብምግላፅ፡ ኩሉ ግዘ ኣብ ድሕሪ እዞም ከዋኽብቲ ሰማይ ስልጣነ ይህሉ ዶ ይኸውን? ከም ሰብ'ከ ምንባር ይከኣል ዶ? ካልእ ዓለም'ኸ ይህሉ ዶ? ዝብሉ ናይ ግዘ ቁልዕቱ ሕቶታት ይዝክር።
ዩኬ ማርስ ሶሳይቲ፡ ማርስ ብግቡእ ንክትፅናዕን፡ ወዲሰብ ኣብ ማርስ ገዝኡ ሰሪሑ ንክነብርን ዝሰርሑ ሰባት ዝተኣከብሉ ትካል እዩ።
ኦስካር ነዚ ሃገራዊ መዝሙር ንክፅሕፍ ኸኣ በዚ ትካል ከምዝተነገሮ፡ ፕረዝደንት እቲ ትካል ዶክተር ሮበርት ዙብሪን ሓቢሮም።
"ኣብ ማርስ ንእሽተይ ኣጉዶ ብምስራሕ፡ ወሊድና ከቢርና ምንባር እንክንጅምር ዓብይ ዓወት እዩ" ዝብል ኦስካር፡ ኣብ ሞንጎ ፕላኔታት እናተመላለስካ ዝቐርብ ምርኢት እዩ ብምባል፡ ስምዒቱ ይገልፅ።
ኣብ ምድሪ ዘለዉ፡ ኣብ ማርስ ምስ ዝነብሩ ሓቢሮም ዝዝምርዎ መዝሙር እዩ ይብል።
እዚ ሃገራዊ መዝሙር፡ ብዛዕባ ማርስ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ወድሰብ ዓብይ ለውጢ ምርኣዩ፡ ዝንእድን መዝሙር እውን እምበር።
ስለዝኾነ ድማ እዚ ሃገራዊ መዝሙር፡ ሰባት ሕልሚ ንክህልዎም፣ ዓብይ ነገር ንክሓስቡን፡ ብዛዕባ ማርስን ልዕሊኡን ኣሳጊሮም ንክርእዩ ከለዓዕሎም እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ብምባል ድማ ሓሳቡ ይዛዝም።