ታንዛንያ ልቓሕ ባንኪ ዓለም ከይትረክብ ዝሓተተ ተቓዋሚ ክቕተል ሓሳብ ቀሪቡ

ዚቶ ካብዌ
መግለጺ ስእሊ, ዚቶ ካብዌ

ታንዛንያዊ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኤሲቲ፡ ነቲ ባንኪ ዓለም ንታንዛንያ ክህቦ ዝሓሰቦ ልቓሕ ደው ከብሎ ብምሕታቱ፡ ናይ ክንቀትለካ ኢና ምፍርራሕ ይበጽሖ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ተቓዋሚ ውድብ፡ ኣብ ልዕሊ መራሒኡ ዚቶ ካብዌ ይበጽሕ ንዘሎ ምፍርራሕ ኮኒኑ ኣሎ።

እቲ መራሒ ብምኽንያት እታ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ መሰላት እትፍጽሞ ዘላ ጥሕሰት እዩ እቲ ልቓሕ ከይወሃባ ዝተማሕጸነ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ፓርላማ፡ ንደብዳቤ እቲ ተቓዋሚ "ሃገራዊ ክሕደት" እንትብሎ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውድብ 'ኤምፒ' እቲ ውልቀ ሰብ ክቕተል ከምዘለዎ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ፓርላማ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝነበሮ ኣኼባ፡ ኣፈጉባኤ እቲ ፓርላማ ጆብ ንዱጋይ፡ ንተግባር እቲ መራሒ ተቓዋሚ ምስ ተግባር ዶናልድ ትራምፕ ብምምስሳል ሃገራዊ ክሕደት ከምዝፈጸመ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካሊእ ኣባል እቲ ገዛኢ ውድብ ድማ እቲ ሰብኣይ ኣብ ዘለዎ "ክቕተል ከምዘለዎ" ተዛሪቡ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብታ ሃገር ጥሕሰት መሰላት እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ ይገልጹ፤ ንፕረዚደንት ማጉፉሊ ድማ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ዓፈና ይፍጽም ከምዘሎ ይኸሱዎ።

ባንኪ ዓለም ንከይዲ ትምህርቲ ታንዛንያ ሓገዝ ዝኸውን ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ንምሃብ ዝነበሮ ውጥን፡ ንምጽዳቕ ወይ ንምግዳፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሒዝዎ ዝነበረ መደብ፡ ብምኽንያት ዝበጽሑዎ ጽዕንቶታት ንኻሊእ እዋን ኣናዊሕዎ እዩ።

ነቲ ልቓሕ ኣብ 2018 ክህባ ሓሲቡ ዝነበረ ባንኪ ዓለም፡ ብምኽንያት እታ ሃገር ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ክስጎጋ ዘውጸአቶ ሕጊ፡ ከምዝኸልከላ ይዝከር።

እታ ሃገር ኣብ 2017፡ 5,500 ዝጠነሳ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ፡ ካብ መኣዲ ትምህርተን ከምዘባረረት ጸብጻባት ባንኪ ዓለም ይሕብሩ።

ማሕበር ጎስጎስቲ ታንዛንያ 'ውን ነቲ ልቓሕ ተቓዊምዎ ኣሎ።