እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ተዛሪቡ
ብዛዕባ እቶም ዝተጨወዩ ተምሃሮ ዘጻሪ ጉጅለ ከምዝተመስረተ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክረታርያት ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ ሚኒስተር ዴኤታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ዶክተር ሳሚኤል ክፍሌ ከምኡ እው ኮምሽን ፖሊስ ፈደራል ጀነራል ኮምሽነር እንዳሻው ጣሰው እዮም።
ኣብቲ መግለጺ እንታይ እዩ ተባሂሉ?
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክረታርያት ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ ከምቲ ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ደምቢ ደሎ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ጸጥታ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
በዚ ምኽንያት ንድሕነቶም ዝሰግኡ ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ገዝኦም ይኸዱ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ተማሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ከይከዱ ፖሊስ ፈደራል ምስ ሕበረተሰብ እቲ ከባቢ ብምዃን ጻዕሪ ይገብር ምንባሩ ሓቢሩ።
ፖሊስ ፈደራል ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም ተማሃሮ፡ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ናብ ዓዶም ክኸዱ እንተፈቲኖም ኣብ መንገዲ ጸገም ከጋጥሞም ከምዝኽእል ሓበሬታ ክህብ ምጽንሑ'ውን ኣቶ ንጉሱ ጠቒሱ።
ንሱ ብምስዓብ፡ "እቶም ተማሃሮ ግን በቲ ትጽቢት ዘይግበረሉ ብመንገዲ ጋምቤላ ኣቢሎም ጉዕዞ ጀሚሮም" ኢሉ።
ኣብ ወረዳ ቸአንፈሎ ሱዱ ኣብ ዝብሃል ቦታ ተማሃሮ፡ ካልኦት መንእሰያትን ናይቲ ከባቢ ሓላፍን ብ25 ሕዳር 2012 ዓመተ ምሕረት ከምዝተተሓዙ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊጹ።
እዞም ሰባት ከምዝተተሓዙ ምስ ተፈለጠ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብዘካየዶ ተፍትሽ 21 ተማሃሮን ካልኦት ሰባትን ነጻ ከምዝውጽኡ ብምጥቃስ፡ እቶም 21 ተማሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ክምለሱ ከምዝተገበረ'ውን ሓቢሩ።
"2 ጥሪ ናብ ህዝቢ ሓበሬታ ከምዝሃብና ዝዝከር እዩ፡ እዚ ኣብ ኢድና ዘሎ ሓበሬታ 2 ጥሪ ናብ ህዝቢ ከነቕርቦ እንከለና ቅኑዕ እዩ" ይብል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ ተማሃራይ ካልኣይ ደረጃን ካልኦት ሽዱሽተን እናተጓዓዙ እንከለዉ ከምዝተጨወዩ'ውን ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ተዛሪቡ።
ካብዞም ዝተጨወዩ ሽዱሽተ ሰባት እቶም ሓሙሽተ ተማሃሮ ምዃኖም ምስቶም ዝተጨወዩ ወደይ ኣሎ ዝበለ ኣቦ ከምዘሎን እዚ እውን ይጻረ ከምዘሎን ኣቶ ንጉሱ ገሊጹ።
"ሓደ ክጻረ ዘለዎ ጉዳይ፡ መራኸብቲ ብዙሃን ኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝረብ ዘሎ እቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ 17 ከምዝኾኑ እዩ፡ እዚ ምስ ኣጻረናዩ ግን ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ 12 ጥራይ ተማሃሮ ምኳኖም እዩ፡ እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምኳኖም ዘረጋግጽ ሰነድ ክርከብ ኣይተኸኣለን" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 800 ዝኾኑ ተማሮ ደምቢ ደሎ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።
ኮምሽን ፖሊስ ፈደራል ጀነራል ኮምሽነር እንዳሻው ጣሰው
ኮምሽን ፖሊስ ፈደራል ጀነራል ኮምሽነር እንዳሻው ጣሰው "ኣብሪ ከባቢ ንሰብ ምንቅስቓስ ዝኸልኡ ኣካላት ኣለዉ"ኢሉ።
"ኣብ ከባቢ ደምቢ ደሎ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ተደምሲሱ እዩ፡ ተደምሲሱ ግን ኣይተረፈን፡ እቲ ዝተረፈ ሕጂ እውን ዳግማይ ተወዲቡ ብሽፍትነት ይንቀሳቐስ ኣሎ፡ መንግስቲ እውን ሱቕ ኣይበለን፡ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ጭውያ፡ ኣብ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ናይቲ ከባቢ ነበርትን ከምኡ እውን ነጋዶ እውን ግዳይ ከምዝኾኑ'ዩ ዝዘረብ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ።
ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብዝተረጋገአ ኣገባብ ትምህርቶም ንክቅጽሉ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ እውን ጠቂሱ።
እቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ኣበይ ኣለዉ ንዝብል ሕቶ ኸኣ "ኣብ ኢድና እኹል ሓበሬታ ኣለና፡ ነዚ ዘለና ሓበሬታ ምጽራይን ምክትታልን ንገብረሉ ኣለና፡ እቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣጋጢምዎም ኣሎ እናተባህለ ዝዝርብ ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።
"ኣብዚ ጉዳይ መርመራ ንገብር ስለዘለና ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይደልይን'የ፡ ሰለስተ ጉጅለታት መስሪትና መርመራ እካየድ ኣሎ" ኢሉ።
ሚኒስተር ዴኤታ ሓላፊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ዶክተር ሳሚኤል ክፍሌ
ሚኒስተር ዴኤታ ሓላፊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ዶክተር ሳሚኤል ክፍሌ ብወገኑ፡ ብዛዕባ'ታ ካብቶም ጨወይቲ ሃዲማ ከም ዘምለጠት ዝተዛረበት ተምሃሪት ብዛዕባ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ተዛሪቡ።
"ምስ ምጭዋይ እዞም ተማሃሮ ተተሓሒዙ ዝሰማዕናዮ ቁጽሪ 17 እዩ፡ ነዚ ቁጽሪ መጀመርታ ዝሃበት ኣስምራ ሹምዮ ትብሃል ተማሃሪት እያ፡ ኣብዚ ጉዳይ ከብርሆ ዝደልዮ ነገር ስለዘሎ እዩ ነዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ" ኢሉ።
"እዛ ተማሃሪት ዕለት 23-03-2012 ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሓይሊ ዕማም (ኮማንድ ፖስት) ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ '25 ሕዳር ካብ ደምቢደሎ ወጺእና ብጋምቤላ ገይርና ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዝና እንከለና ኣብ ሱዱ ዝብሃል ቦታ መንእሰያት ወሲዶሙና፡ ኣነ ሃዲመ ሓደ ሽማግለ ተሓባቢሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣፋንዮሙኒ ብምባል ሕዳር 26 ንኮማንድ ፖስት ሓቢራ ኣላ" ኢሉ።
"ክጨወዩ እንከለዉ ንሳ ሻውዓይ ርእሳ ምንባራ እውን ሓቢራ እያ፡ ናብዚ ምስ መጽአት ግን እቲ ቁጽሪ 17 ኢላ፡ እቲ ጭውያ ምስ ተኻየደ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል 21 ዝኾኑ ሰባት ረኺቡ ካብዚኦም እቶም 19 ተማሃሮ እዮም ተባሂሉ ናብ ዩኒቨርስቲ መሊስናዮም" ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ነጻ ኣውጺአዮም ዝበሎም ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደምቢ ደሎ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።