እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ታይላንድ፡ ብጌጋ ሓሽሽ ዝተሓብኣ መኪና ናብ ጨረታ አቕሪቡ
በዓል መዚ ጸረ-ሓሽሽ ታይላንድ፡ ፖሊስ ብጨረታ ኣብ ዝሸጣ መኪና፡ ካብ ኣምፈታሚን ዝተበሃለ መነቓቕሒ ባእታ ዝተዳለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ከኒና ክርከብ ብምኽኣሉ ይቕረታ ሓቲቱ።
ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተትሓዘት ሆንዳ ሲ-ኣርቪ ዓይነት መኪና ብጨረታ ዝዓደገ ውልቀሰብ 19,000 ዶላር'ዩ ከፊሉ።
ተዓዋቲ ጨረታ መኪንኡ ጽገና ክግበረላ ናብ ጋራዥ ይወሰዳ። መካኒክ እቲ ጋራጅ ክፈታትሓ ምስጀመረ ድማ፡ ኣብቲ ንግጭት መከላኸሊ ብዝብል ኣብ ቅድሚት ዝግጠም ሓጺን [ባምፐር] 94,000 ከኒናታት ረኺቡ።
"ብመሰረት ኣሰራርሓና ኣብ ኩለን ዝበጽሓና መኻይን ፈተሻ ነካይድ ኢና፤ ኣብዛ መኪና'ውን ከምኡ። ሽዑ ግን እቶም ከኒናታት ብጥንቃቐ ዝተሓብኡ ብምንባሮም ዋላ ሓደ ነገር ኣይረኸብናን" ኢሉ ዋና ጸሓፊ ቦርድ ቁጽጽር ሓሽሽ፡ ኒዮም ተርመስሪሱክ።
ንሱ፡ እቶም ብጥንቃቐ ተሓቢኦም ዝተረኸቡ ከኒናታት ሕዋስ ሜታምፌታሚንን ካፌይንን ዝሓዙ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀይዲ ክትኣትው ከላ፡ 100,000 ከኒናታት ኣብ ናይ ድሕሪት ወንበር ከምዝተረኸ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ሰበስልጣን ታይላንድ ኣብ 2018 ጥራይ 516 ሚልዮን ክኒና ሓሽሽ ከምዝሓዙ ይገልጹ።