እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ቱሪዝም ወሊድ"፡ ኣሜሪካ ንነፍሰጾራት ኣብ ዝወሃብ ቪዛ ዝያዳ ምጽራይ ክትገብር እያ
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ደቆም ኣብ ኣሜሪካ ንኽውለዱን ዜግነት ክረኽቡን ናብታ ሃገር ዝኣትው ገያሾ ንምቁጽጻር ሓድሽ ሕጊ ከምዘተኣታተወ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ን "ቱሪዝም ወሊድ" ንምግታእ ዝተኣታተወ እዩ።
ብመሰረት እዚ መምርሒ፡ ናብ ኣሜሪካ ንምጋሽ ቪዛ ዝሓታ ነፍሰጾራት፡ ንጹር ዝኾነ ዝገሻሉ መርትዖ ከቕርባ ክግደዳ እየን።
ኣብ ኣሜሪካ ንዝውለዱ ዳርጋ ኩሎም ቆልዑ ዜግነት ዘውህብ ሕጊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክነቐፎ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ሓድሽ ናይ መገሻ ፖሊሲ፡ ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካን ንህዝባዊ ጥዕናን ንምውሓስ ኣገዳሲ ምዃኑ ምምሕዳር ትራምፕ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዋሕዚ ወጻእተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንምግታእ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኩሎም ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለዱ ሰባት ዜግነት ዘውህብ ሕጊ ሕቶ ከልዕል ጸኒሑ እዩ።
ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዝርከቡ ናይ ኣሜሪካ ቪዛ ምርካብ ፖሊሲ'ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ክነቕፎም ካብ ዝጸንሐ ፖሊሲታት እዩ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም 'ቢ' ቪዛ ዝሓቱ ስደተኛታት ዘይኮኑ (non immigrant)፡ ናብ ኣሜሪ ዝገሹ ሰባት ዝምልከት እዩ።
እቲ ሕጊ ነቶም ንሕክምና ናብ ኣሜሪካ ክኣትው ዝደልዩ ሰባት'ውን ዝጸልው ምዃኑ ይግለጽ።
ሓተትቲ ቪዛ ናይ ሕክምና ወጻኢታቶም ክሽፍንሉ ዝኽእሉ "መገድን ድልየትን" ከም ዘለዎም መርትዖ ከቕርቡን፡ ሕክምና ክገብረሎም ፍቓደኛ ዝኾነ ሓኪም ኣዳልዮም ምህላዎም ንበዓል መዚ ቆንስላ ከእምኑ ክግደዱ እዮም።
ዋይት ሃውስ፡ (ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ) ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ካብ በጻሕቲ ክንደይ ቆልዑ ከም ዝውለዱ ጸብጻብ እኳ እንተዘየሎ፡ ኣብ 2017 ኣስታት 10,000 ቆልዑ ከም ዝተወለዱ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም ኣሜሪካ ይገልጽ።