እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ቻይና፡ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ተኸርዲነን
ነቲ ዛጊት 17 ቀቲሉ ዘሎ ለበዳ ሓድሽ ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ሰመዚ ቻይና ንክልተ ዓበይቲ ከተማታት ከም ዝኽርደና ጌሮም ኣለዉ።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 500 በቲ ሕማም ተለኺፎም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ'ሎ። እቲ ለበዳ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ተላቢዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ኮሮና ቫይረስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ቫይረስ፡ ኣብ ሓደ ናይ ከተማ ዉሃን ዕዳጋ ዝተበገሰ ምዃኑ ጸብጻባት ይገልጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓደገኛነት ናይቲ ለበዳ ንምውሳን ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ዛጊት ህጹጽ እዋን ኣይኣወጀን ዘሎ።
ዝተኸርደና ከተማታት ቻይና
ካብን ናብን እታ 11 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ከተማ ዉሃን ዝግበር ናይ ኣየር በረራታት ይኹን፡ ናይ ምድሪ መጓዓዝያ ተቋሪጾም ኣለዉ።
ንምንቅስቓስ ህዝቢ'ታ ከተማ ንምድራት'ውን ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይታ ከተማ ከም ዝቋረጽ ተጌሩ'ሎ።
ከተማ ዉሃን ፈለማ እቲ ብኮሮናቫይረስ ዝፍለጥ ለበዳ ዝተራእየላን፡ እቶም 17 ሰባት ዝሞቱላን፡ ብዙሓት ዝተለኽፉላን'ያ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጥቓ ዉሃን እትርከብ ልዕሊ 7 ሚልዯን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ሁዋንጋግ'ውን ተኸርዲና'ላ።
ኣብ ክልቲአን ከተማታት፡ እንዳ ሻሂታት፡ ሲነማታት፡ ትያትራትን ካልኦት ህዝባዊ ምርኢታትን ተቛሪጾም ኣለዉ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክዝርግሓ ተሓሰበን ዝነበራ ፊልምታት'ውን፡ ተሰጋጊረን ኣለዋ።
ኩሎም ነበርተን ድማ፡ መሸፈኒ (ማስክ) ክገብሩ ሰብመዚ ኣገዲዶም። ነቲ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ንምርካብ ሚልዮናት ሰባት ተሰሪዖም ይራኣዩ።
ኣቕረብቲ ተለቪዥን ከይተረፉ፡ ኣፎምን ኣፍንጭኦምን ተሸፊኖም ክሰርሑ ተገዲዶም ኣለዉ።
ሓደ ነባሪ ናይታ ከተማ ዉሃን ብዛዕባ'ቲ ኣብታ ከተማ ዘለዎ ስምዒትን ኩነታትን ክዛረብ እንከሎ፡ "መወዳእታ ዓለም" ክብል ገሊጽዎ።
ምኽርዳን ናይተን ከተማታት፡ ኣብቲ ብኣሚት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ቻይናውያን፡ ሓድሽ ዓመት ናይታ ሃገር ንምብዓል ብብዝሒ ዝጓዓዙሉ እዋን'ዩ ዝውሰድ ዘሎ።
ካልእ ተቐማጢ ከተማ ዉሃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቻይናውያን፡ ወይቦ፡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምኽርዳን ናይታ ከተማ ምስ ሰምዑ፡ "ንብዓትና ተቓሪቡ" ክብል ተዛሪቡ።
ሰብመዚ ርእሰከተማ በጂንግ 'ውን፡ ነቲ ናይ በጻሕቲ ቀንዲ መስሕብ ዝኾነ 'ብፎርቢደን ሲቲ' ዝፍለጥ ናይ ቀደም ቤተንግስነት፡ ንበጻሕቲ ከም ዝዕጾ ጌሮም ኣለዉ።
እቲ ቫይረስ ዝተራእየለን ካልኦት ሃገራት
ሓያሎ ሃገራት፡ ካብቲ ዞባ ኣብ ዝኣትዋ በረራታት ዘተኮረ መርመራታት ኣብ ማዕርፎ ነፈርተን ከካይዳ ጀሚረን ኣለዋ።
ታይላንድ፡ ኣርባዕተ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ክትገልጽ እንከላ፡ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኮርያን ታይዋንን ነፍሲወከፈን ሓደ ሰብ ከም ዘጋጠመን ሓቢረን።
ኣብ ሲንጋፖር'ውን ሓደ ተለኺፉ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጾም።
ይኹን እምበር፡ እቲ ለበዳ ቀልጢፉ ይላባዕ ምህላዉ ኣብ ምሉዕ ዓለም ዓቢ ሻቕሎትን ስግኣትን ፈጢሩ'ሎ።
ምንጪ ናይቲ ቫይረስ እንታይ'ዩ?
ዋላ'ኳ ገና መጽናዕቲ ዝካየደሉ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ እንተኸነ፡ ምንጩ እንስሳታት ምዃኖም'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ካብ ኣትማን ዝርከብ ከይኮነ ከምዘይተርፍ'ውን ይጥርጠር'ዩ። እቲ ፈለማ ዝተራእየሉ ዕዳጋ ንባዕሉ፡ ኣትማን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዝሽየጥሉ'ዩ።
ኣብቲ ዕዳጋ ደርሁትን መንካዕን ከም ዝሽየጣ'ወን ተረጋጊጹ'ሎ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቻይና ዝተቐልቀለ፡ ሳርስ ዝተባህለ ለበዳ ቫይረስ፡ ካብ መንካዕን፡ ሓደ ዓይነት ድሙን ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ።
ምልክታት ናይቲ ቫይረስ ብኸመይ ንፈልጦ?
እቲ ቫይረስ ሓደ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮሮና ቫይረስ ኮይኑ፡ "2019-nCoV" ዝብል መጸውዒ ተባዊብዎ'ሎ።
ብረስንን ሰዓልን ዝተሰነየ ጽኑዕ ናይ ስርዓተ-ምስትንፋስ ረኽሲ ዘስዕብ ኮይኑ፡ ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ዘድልዮ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይመክር።
ቀንዲ ካብ ምልክታቱ ረስኒ፡ ኾይኑ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም'ውን ከርኢ ይኽእል'ዩ። ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ዝግበር መርመራ፡ ገለ ኒሞንያ ዝመስል ነገር ከርኢ ይኽእል።
ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝሞቱ 17 ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ሕዱር ሕማማት ዝጸንሐም ምዃኑ ተፈሊጡ።