ኣብ ቻይና ዝተረኣየ ሓድሽ ቫይረስ ነድሪ ሳምቡእ ጥቡቕ ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ

ሰብመዚ ቻይና ንብዙሓት ነበርቲ ከተማ ውሃን ኣብ ዝለኸፈ ዘይተፈለጠ ቫይረስ ነድሪ ሳምቡእ ምርመራ ከካይዱ ጀሚሮም።

ዛጊት ኣስታት 44 ሰባት ረኽሲ እቲ ቫይረስ ክረኣዮም ከሎ፡ ካብኣቶም 11 ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ እቶም ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ሲንጋፖርን ሆንግኮንግን ካብታ ከተማ ኣብ ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ጥቡቕ ምርመራ ከካይዳ ተገዲደን ኣለዋ።

እቲ ቫይረስ ምናልባት ምስቲ ቅድሚ ዓመታት ተራእዩ ዝነበረ ሓደገኛ ቫይረስ ሳርስ ወይ ድማ ቅጽበታዊ ሕማም ኣካላት ምስትንፋስ ዝራኸብ ከይኸውን ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።

ካብ ቻይና ዝተበገሰ ቫይረስ ሳርስ ኣብ 2002/3 ኣብ ዓለም ልዕሊ 700 ሰባት ክቐትል ከምዝኸኣለ ይዝከር።

ኮሚሽን ጥዕና ከተማ ዉሃን መንቀሊ ናይቲ ለበዳ ብዝምልከት ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዘይተመሓላለፈ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ኮሚሽን፡ ዝበዝሑ ግዳያት ኣብ ዕዳጋ ካብ ባሕሪ (ማያዊ ኣካላት) ዝርከቡ መግብታት ዝሰርሑ ሰባት ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ወሃቢ ቓል ትካል ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ለበዳ ከምዝሰምዐን ምስ መንግስቲ ቻይና ይዘራረብ ከምዘሎን ገሊጹ።