ኖርወይ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ካብ ሩዋንዳ ክትወስድ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኖርወይ፡ ካብ መዳጎኒታት ሊብያ ወጺኦም ኣብ ሩዋንዳ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ክትወስድ ምዃና ገሊጻ።
ኒው ታይምስ ዝበሃል ጋዜጣ ሩዋንዳ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ድሮ ሽወደን ሸውዓተ ስደተኛታት ወሲዳ ከምዘላን ኖርወይ ድማ 500 ክትወስድ ከምእተሰማመዐትን ገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስተር ፍትሒ ኖርወይ ንሮይተርስ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ድማ፡ ኣብ 2020 ኖርወይ 600 ስደተኛታት ካብ ሩዋንዳ ክትወስድ ምዃና ኣፍሊጡ።
"ንሕና ንዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ኣይንድግፍን፤ የግዳስ ነቶም ሓለዋ ዝደልዩ ሰባት ብዝተወደበ መልክዑ ክንቅበል ኢና። እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዘሎ መሰጋገሪ መዓስከር ድማ ነዚ ሓጋዚ እዩ" ምባሉ ሮይተርስ ጠቒሱ።
ሩዋንዳ፡ ምስ ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝገበረቶ ስምምዕ እያ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዳጉኖም ዝጸንሑ ስደተኛታት ተቐቢላ።
እቶም ስደተኛታት ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ከተማ ኪጋሊ 55 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ጋሹራ ዘለዉ ኮይኖም፡ መብዛሕተኦም ኤርትራውያንን ሶማላውያንን እዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







