እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክሕለወሉ ተማሕጺኑ
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ምስ ብልሽውና ተኣሳሲሩ ኣብ ዝቐረቦ ክሲ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ክሕለወሉ ሓቲቱ።
እቲ ውሳነ ኣብ መጻኢ ወርሒ መጋቢት መረጻ ክሳብ ዝካየድ ዕረፍቲ ክህቦ እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ብጉቦ፣ ምትላልን ምጉዳል እምነትን ብዘብሉ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርተር ክሲ መስሪቱ እዩ።
ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ እቲ ዝቐረቦ ክሲ ብምጻግን ዘጉደሎ ነገር ከምዘየለ ብምዝራብን እዩ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሕቶ ዘቐረበ።
እቲ ሕቶ ዝቕረበ ናይ ምሕታት ገደብ-ግዘ ንክሓልፍ ሰዓታት እንትተርፍዎ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ሕቶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተቐባልነት ንኽረክብ፡ ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ክድግፍዎ ትጽቢት ይግበር።
ኔታንያሁ ኣብ ዘረብኡ፡ "እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ሕቶ ሕጊ ዝተኸተለ እዩ። እቲ ዕላማ ድማ ናዕኹም ንምግልጋለን ንመጻኢ እስራኤል ብምግዳስን እዩ" ኢሉ።
ንነዊሕ እዋን ንእስራኤል ዝመርሐ ኔታንያሁ፡ ካብ ሰብ ሃብቲ ጉቦ ከምዝተቐበለን ብሚድያ ፍሉይ ኣወንታዊ ምስሊ ንፍጣር ዘይግቡእ ቃል ኣትዩ ብዝብልን እዩ ዝኽሰስ።
ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ መጻኢ ወርሒ መጋቢት ንሳልሳይ ግዘ ናብ መረጻ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኮይኑ ክቐርብ እዩ።
መሰረት ሕጊ እስራኤል፡ ሓደ ግዘ ናይ ዘይምኽሳስ ሕቶ እንተቐሪቡን፤ መረጻ ቅድሚ ምክያዱ እቲ ባይቶ እንድሕር ተበቲኑን፤ እቲ ክሲ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ ኣይክረአን።
ተወከልቲ ባይቶ እስራኤሌ ብቐጥታ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ዘይብሎም እንትኾኑ፤ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ግን ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክሕለወሎም ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።
ከምኡ ድማ፡ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ካብ ስልጣን ክእለ ዝኽእል፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡን እንተተፈሪድዎን ጥራሕ እዩ።
ኔታንያሁ፡ እቲ ሕዚ ዝቐረቦ ክሲ፤ 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ከብል ነጺግዎ። ተነሓናሕቱ ግን፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሕቶ ምቕራቡ ኣቖጢዕዎም ኣሎ።