እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓልት-ቤት ምክትል ፕረዚደንት ዙምባብወ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሳ
በዓልት-ቤት ምክትል ፕረዚደንት ዙምባብወ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሳ ቤት ፍርዲ ቀሪባ።
ብብልሽውና'ውን ተኸሲሳ ዘላ፡ ሜሪ ሙባይዋ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ከላ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ ኣሎ።
ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፡ በዓልቤታ ጀነራል ኮንስታንቲና ቺዌንጋ ሓሚሙ ኣብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ኣብ ዝገብረሉ እዋን ክትቐትሎ ፈቲና ብዝብል'ያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።
እቲ ጀነራል'ውን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ ከይሕከም ጸቕጢ ገይራትሉ ከም ዝነበረት ተዛሪቡ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ሆስፒታል እናተሓከመ ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቲ ግሉኮስ ከም ዝኸልከለቶ ተዛሪቡ።
እቲ ጀነራል ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ቻይና ከይዱ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ እዩ ተመሊሱ።
ጄኔራል ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ፡ ሮበርት ሙጋቤ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ክእለይ ከሎ፡ ቀንዲ ተራ ከም ዝነበሮ ይግለጽ።
ሜሪ ሙባይዋ ብቐዳም ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ሙባይዋ ክሳብ 750 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ከም ዝተኸሰሰት ፖሊስ ሓቢሩ።