እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዚምባብወ፡ ዓሰርተ ጎደናታት ብሽም ምናንጋግዋ ክትስይም እያ
ካቢነ ዚምባብወ ዓሰርተ ጎደናታት እታ ሃገር ብሽም ፕረዚደንት ምንጋግዋ ክጽውዑ ንዝቐረበሉ ሓሳብ ኣጽዲቑ።
እቶም ጎደናታት ከምብሓዱሽ በቲ ፕረዚደንት ክጽውዑ ዝግበር ዘሎ፡ ኣካል እቲ ጎደናታትን ህንጻታትን ሽም ንምቕያር ተታሒዙ ዘሎ መደብ እዩ።
ዚምባብወ ሄራልድ ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ ምቕያር ኣስማት ጎደናታት ንጀጋኑ እታ ሃገርን እቲ ዞባን ክብሪ ንምሃብ ዝዓለመ'ዩ ተባሂሉ።
ፕረዚደንት ቦትዋና ነበር፡ ሰረሰ ክሃማን፣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር፡ ኣጉስቲንሆ ኒቶን፡ ካብቶም ጎደናታት ብሽሞም ዝተሰየሙሎም ፍሉጣት ሰባት'ዮም።
እቶም ዝቕየሩ ዘለዉ ጎደናታት መብዛሕትኦም፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘንጸባርቑ ምዃኖም ይገልጽ።
እንተኾነ ገለ ዚምባብያውያን፡ እታ ሃገር ብቑጠባዊ ቅልውላው ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ መንግስቲ ነዚ ምግባሩ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ኣብ ትውተር ይገልጹ ኣለዉ።