መርዓት ኣብ ድሮ መርዓኣ ናብ ዒላ ወዲቓ ሞይታ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጄርያ፡ ፋጢማ ኣቡበከር እትበሃል ጓል 16 ዓመት መርዓት፡ ሃንደበት ናብ ዒላ ድሕሪ ምእታዋ ህይወታ ሓሊፉ።

ፋጢማ ኣቡበከር መርዓኣ ዝሓለፈ ሓሙስ ክካየድ እዩ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ።

ኣቦኣ ንቢቢሲ ከምዝተዛረቦ፡ ብረቡዕ እታ መርዓት ኣብ እንዳ ሓትነኣ እናሃለወት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ደው ኢላ ድሕሪ ምጽነሓ እያ ሃንደበት ናብቲ ዒላ ወዲቓ።

"ብመርዓኣ ሕጉስቲ ነይራ። ምስ መሓዙታ ትጻወትን ትስሕቕን ጸኒሓ። ምስ ሕጹያ እውን ኣዝዮም ይፋተዉ ነይሮም" ኢሉ።

እቲ መርዓዊ፡ በቲ ኹነታት ሰንቢዱ ብምህላዉ፡ ብቴሌፎን እኳ ክዛረብ ኣይከኣለን።

ኣቦኣ ንፋጢማ ከምዝበሎ፡ ንመርዓኣ ዝመጹ ዕዱማት፡ ሕዚ ኣብ ሓዘን እዮም ዘለዉ።