ኡጋንዳ: ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘብ እታ ሃገር ዝጸሓፍ ዘሎ ፖለቲካዊ መልእኽትታት

ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘብ ኡጋንዳ ዝጸሓፍ ፖለቲካዊ መልእኽትታት

ምንጪ ስእሊ, DickNvule/Twitter

ባንክ ኡጋንዳ ነቲ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ፡ ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘብ እታ ሃገር፡ ፖለቲካዊ መልእኽትታት ምጽሓፍን ነቲ ስእሊ ብማሕብራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሕን ዘይሓላፍነታውን ዘይሕጋውን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ባንክ ኡጋንዳ ኢማኑዌል ሙተቢለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ምጽያቕ፡ ነቲ ናይ መለለዪ ምልክታት ዘበላሹ "ንዋጋ ናይቲ ገንዘብ ዘጥፍእን" ንዕድሚኡ ዘሕጽርን ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ካብ መንጎ እቶም ኣብቶም ናይ ወረቐት ገንዘብ ዝጸሓፉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑን ዘለው መልእኽትታት ነቲ ካብ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ናብ ፖለቲከኛ ተቐይሩ ዘሎ ቦቢ ዋይን ዝድግፉ መልእኽትታት ይርከብዎ።

ንዳግማይ መረጻ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ 2021 ዝድግፉ'ውን ካብቶም ዝተዘርግሑ መልእኽትታይ እዮም።

ቦቢ ዋይን መን እዩ?

'ኣፍ ሮቢት' ብዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ ዝፍለጥ ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ዋላ እኳ ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት እንተሃለዎ፡ ምስ መንግስቲ ሙሴቬኒ ዓይንን ሓመድን ካብ ዝኸውን ዓመታት ተቖፂሮም።

ምስ ሙዚቃ ዝነበሮ ህይወት ብምግዳፍ፡ ናብ ህዝባዊ ፖለቲካ ምስተፀንበረ እውን፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኑ ካብ ዝምረፅ፡ ነቲ ባይቶ ከጨንቖ ፀኒሑ እዩ።

ልዕሊ 75 ዓመት ዝኾኖ ውልቀ ሰብ ንፕረዚደንትነት ንከይምረፅ ዝኽልክል ሕገ-መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ንከይትንከፍ ተቓሊሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣይተሳኽዐሉን።

መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሚድያታት ቀረፅ ንክኸፍሉ ንዘውፅኦ ሕጊ'ውን ብትረት ክቃወሞ ፀኒሑ እዩ።