ሊብያ፡ ዩኤንኤችሲኣር ስለምንታይ'ዩ ስደተኛታት ካብ ማእከል መዕቆቢ ክወጽኡ ዝሓትት ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, UNHCR Libya/Facebook
ኤርትራውያን፣ ሶማላውያንን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ማእከል መአከብን መፋነውን GDF ናብ ከተማ ትሪፖሊ ከም ዝተጣየሱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሊብያ ኣፍሊጡ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናብርኦም ንምጅማር ናይ ገንዘብ፣ ክዳውንትን ኮቦርታን ሓገዛት ከም ዝተገበረሎም ዩኤንኤችሲኣር ሊብያ ብፌስቡክ ኣብ ዝፈነዎ ጸብጻብ ኣነጺሩ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ንኩነታት እቶም ኣብታ ከተማ ዝተጣየሱ ሓተትቲ ዑቕባ ንምክትታል ኣብ ዝነብሩሉ ስፍራ ስሩዕ ምብጻሕ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።
ማእከል መአከብን መፋነውን GDF እንታይ እዩ?
ማእከል መአከብን መፋነውን፡ ዩኤንኤችሲኣር ምስ መንግስቲ ሊብያ ብምርድዳእ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ማእከል ሰደተኛታት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ንዝርከበቡ ሓተትቲ ዑቕባ ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር ዝቐመ ማእከል እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦም ንዝግባእ ሓተትቲ ዑቕባ ብምፍላይ፡ ናብ ኒጀር፣ ርዋንዳን ኤውሮጳን ሰንዩ እዩ።
ኣብዚ እዋን ግና፡ እቲ ማእከል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ተጨናኒቑ ምህላው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ዛይድ ገብረዮናስ፡ ኣብ ማእከል ምእካብን ምፍናውን ንነዊሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ካብቲ ማእከል ወጽዩ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ይነብር ኣሎ።
ዮናስ ኣብቲ ማእከል ተስፋ ብምስኣኑ ክወጽእ ከም ዝወሰነ ይገልጽ።
"ኣብ ጂዲኤፍ ኮፍ ምባል ተስፋ ስኢነሉ፤ በዓልቲ ቤተይ ናብ ኒጀር ካብ ትፋኖ ከባቢ ዓመት ኮይኑ፤ ኣብ ጂዲኤፍ ኮይነ ምጽባይ ስለ ዝነውሓኒ፡ ብዓቕሊ ጽበት'የ ኣብ ጉርጂ (ከተማ ትሪፖሊ) ክምዝገብ ወሲነ" ኢሉ።
ከፋንውዎ ከለው፡ 300 ዲናርን (210 ዶላር) ገለ ናይ ገዛ ኣቕሑትን ከም ዝሃብዎም ዝገለጸ ዛይድ፡ እቲ ሓገዝ ካብ ክልተ ወርሒ ከም ዘይቕጽልን ብድሕሪኡ ብዛዕባ ዘሎ ግዜ ስክፍታ ከም ዘለዎን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, UNHCR Libya/Facebook
ፍሉይ ልኡኽ ዩኤንኤችሲኣር ናብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ፡ ቪንሰንት ኮሽተል ብዛዕባ እቲ ማእከል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማእከል መአከብን መፋነውን ቅድሚ ዓመት ክቐውም ከሎ ኣብ ዝያዳ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ውሑስ ኩነታት ንምፍጣርን ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምፍናውን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ነቲ ዕላማ የገልግል ከም ዘየሎ ሓቢሩ።
"ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ማእከል መዳጎኒታትን ካብ ካልእን ዝመጽኡ፡ ካብ ሊብያ ክወጽኡ ዝደልዩ ሰባት ናብቲ ማእከል ብምውሓዞም እቲ ማእከል ተጨናኒቑ ኣሎ። . . .
. . . ኩነታቶም እንርድኦ እኳ እንተኾንና ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ከም ዘለው ዝተረጋገጸ ግና ክነቐድም ይግባእ እዩ። ብምኽንያት ብዝሒ ሰብ፡ ግቡእ ኣገልግሎት ክንህብ ኣይከኣልናን። ነቶም ዝመጽኡና ድማ ኣብ ከተማ ሓገዛት ክንገብረሎም ከም እንኽእል ብምግላጽ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ንነግሮም ኣሎና" ኢሉ።
ኣብቲ ማእከል ዝርከብ ዓብዱሰላም ዓብዱልወሃብ እቶም ካብቲ ማእከል ዝወጹ ሓተትቲ ዑቕባ ኣማራጺታት ካብ ምስኣን ብዓቕሊ ጽበት ከም ዝወሰኑዎ ይሕብር።
ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ካብቲ ማእከል ክወጽእ ከም ዘይመርጽ ድማ ይገልጽ።
"ኣነ ኣብዚ ወላ ዓመት መግቢ ኣይንገብረልካን ኢና እንተበሉኒ ኣብዚኣ ምስ ኣሕዋተይ ኮፍ ይበል" ብምባል ካብቲ ማእከል ምውጻእ ንርእስኻ ናብ ሓደጋ ምቅላዕ ምዃኑ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







