ሱዳን ንስድራ ግዳያት ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 1998 ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዳን ንስድራ ግዳያት ኣብ 1998 ኣብ ናይሮብን ዳር ኢል ሰላምን ኣብ ኢምባሲ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ካሕሳ ክትከፍል ከም ዝተሰማመዐት፡ ቀዳማይ ሞኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ሓቢሩ።
እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ምስ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቲ ካሕሳ ኣብ ዝቕጽል ቅሩብ ኣዋርሕ ሃገሩ ምኽፋል ከም እትጅምር ገሊጹ።
እንተኾነ ጠበቓታት እቶም ግዳያት ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዘየእመኖም ጋዜጣ ደይሊ ነሽን ናይ ኬንያ 'ቃሎም'ዩ' ኢላ ኣስፊራቶ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቀዳማይ ወግዓዊ ምብጻሕ፡ ኣሜሪካ ንሃገሩ ካብ መዝገብ ግበረ ሽበራ ንኽትሓካ ክሓትት ኣብ ዝኸደሉ'ዩ ምስዛ ጋዜጣ ቃለ መሕተት ገይሩ።
እታ ጋዜጣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ሃገሩ ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ንኽትእለ ምስ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ነዊሕ ዘተ ከም ዝገበረን፡ ኣብ ዝበዝሕ ነጥብታት ከም ዝተሰማመዑን እታ ጋዜታ ትጠቅስ።
ምስ መንግስቲ ኣሜረካ ንክሰማምዑ ክልተ ነጥብታት ከም ዝተረፈኦም፡ ንሰን ድማ ጉዳይ ክሕሳ ግዳይት ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 1998 ኬንያን ታንዛንያን ምዕጻውን፡ ኣሜሪካ ኣንጻር ግበረ ሽበራ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ኣብ ጎና ምኻንን ዝብላ እየን።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሱዳን 10 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ዕንወት ክትኸፍልን፡ ካብዚ እቲ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ንስድራ ቤት ግዳያትን ካብቲ መጥቓዕቲ ዝደሓንን ክውሃብ ምብያኑ ይዝከር።
ኣብ 1998 ኣብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ልዕሊ 220 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ልዕሊ 1000 ከም ዝቖሰሉን ይዝከር።
ሱዳን እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ብኣልቃዒዳ ንክፍጸም ንዋታዊ ደገፍ ኣበርኪታ ብምባል ኣሜሪካ ትኸሳ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







