እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲፈን ሓሰን፡ ''ንኢትዮጵያ ክውክል ድልየት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን"
"ዝፈርሖ ኣትሌት የለን። ክስዕር እምበር ክስዓር ፈጺመ ኣይሓስብን" ትብል ጓል 26 ዓመት ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ሲፈን ሓሰን።
"ንኢትዮጵያ ክውክል ዝሓተቱኒ ሰባት ኣለው። ኣነ ግን፡ ኦሮሚያ ናጻ እንተዘይወጺኣ፡ ንኢትዮጵያ ክጎይዪ ድልየት ሃሊዩኒ ኣይፈልጥን" ኢላ።
ንኔዘርላንድ ወኪላ እንትጎዪ ሲፈን፡ ኣብዚ እዋን ሕጂ ኣብ ዓለም መሪሕ ሰደቓ ኣትሌቲክስ ደቂ ኣንስትዮ'ያ።
ኣብ ቀረባ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮን አትሌቲክስ ዓለም 10 ሽሕ፣ ሓደ ሽሕን 500 ሜትሮ ተወዳዲራ፡ ሜዳሊያ ወርቂ ሓፊሳ እያ።
ብተወሳኺ፤ ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ኤውሮጳውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማዊ ውድድራት ብምስታፍ መሪሕነታ ኣረጋጊጻ።
ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተወለደት ሲፈን፡ ጌና ጓል 15 ዓመት መንእሰይ እንከላ ናብ ስደት ኣምሪሓ። ኣብዚ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሓሊፈ'የ ትብል።
ናብ ኔዘርላንድስ ምስኸደት ድማ ዝንባልኣ ናብ ኣትሌቲክስ ከም ዝገበረት ትዛረብ።
ሱፈን፡ ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ 'ናተይ ጀግና'ዩ' ትብል። ነዚ ምኽንያት እትብሎ ድማ፡ ኣብ ውድድራት ማራቶን ኦሎምፒክ ሪዮ ካልኣይ ኾይኑ እንትዛዝም ዘርኣዮ ምልክት ፍሉይ ስምዒት ስለ ዝፈጠረላ ምኻኑ ትገልጽ።
"ፈይሳ ንህዝቢ ኦሮሞ ብዙሕ ነገር ገይሩ'ዩ። እቲ ሽዑ ዘርኣዮ ምልክት ዝርኣዩ ሰባት ናባይ እናመጽኡ 'ኢድካ ምጥማር እንታይ ማለት'ዩ'? እናበሉ ይሓቱኒ ነይሮም። ትርጉሙ ምስነገርኩዎም ብዙሓት ሰባት ንኢዶምዎ"።
ሓደ ግዘ፡ ነርስ ንክትኸውን ትምህርቲ ጀሚራ ነይራ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ትምህርታ ኣቋሪጻ ናብ ኣትሌቲክስ ክተተኩር ጀሚራ።
ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ፡ ኢትዮጵያውያን ዝፍለጥሉ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ስዒራ ወርቂ ምውሳዳ ፍሉይ ስምዒት ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ።
ሲፈን ንኢትዮጵያ ወኪላ ክትጎዪ ሕቶ ከም ዝቐረበላ ትዛረብ።
"ዝሓተቱኒ ሰባት ኣለው። ኣነ ግን ንኢትዮጵያ ክውክል ድልየት ሃልዩኒ ኣይፈልጥን። ኦሮሚያ ናጻ እንተዘይወጺኣ ንኢትዮጵያ ኣይውክልን" ዝብል መርገጺ ኣለዋ።
"ኢትዮጵያ ደቃ ብዙሓት'ዮም። ንዕኦም ሓገዝ እንተዝግበረሎም ነይሩ ኣነ'ውን ድልየት ምሓደረኒ። ግን እቶም ዘለው'ውን ኣይተሓገዙን። ንኣብነት ምስ ዮሚፍ ቀጀልቻ ብሓባር ኢና ልምምደ ንገብር። ብዙሕ ጸገማት'ዩ ሓሊፉ። በዚ ምኽንያት ንኢትዮጵያ ዝኸውን ድልየት ሃሊዩኒ ኣይፈልጥን። እንኳዕ ወጻእኹ'የ ዝብል"።
ኣብ ኔዘርላንድስ ጽቡቕ ዓወት ንዘመዝግቡ ኣትሌታት፡ ፍሉይ ትኹረት ከም ዝወሃብ ሲፈን ትዛረብ።
"ኣብ ፌደሬሽን ምስ ዘለው ሰባት ዝፍጠር ባእሲ የለን። እንታይ ክንገብረልኪ? እንታይ ዓይነት ልምምድ ክትገብሪ ትደልዪ? እዮም ዝብሉኻ። ንልምምድ ናብ ካልእ ሃገር እንተኸይደ'ውን 'ናይ ሆቴልን መግብን ወጸኢ ንሕና ኢና ንሽፍኖ' እዮም ዝብሉኒ"።
ጎና ጎኒ ኣትሌቲክስ ኣብ ኢንቨስትመንት ብምውፋር ንኻልኦት ንምሕጋዝ ትዳሎ ከም ዘላ'ውን ትገልጽ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሩፋኤል ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታን ኣብ ሱልልታን ኢንቨስት ንምግባር ትጽዕር ኣላ።
"ኣነ ገና'የ፤ ከም ካልኦት ዘቐመጥኹዎ ሚሊዮን ኮነ ቢሊዮን ሰልዲ ጠብለይን" እትብል ሲፈን፡ ንመጻኢ ኣብ ዝተወለደትሉ ከባቢ ኣርሲ ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ንምውፋር መደብ ከም ዘለዋ ትዛረብ።
"ብፍላይ ተጨቊነን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክሕግዝ'የ ዝደሊ። ንርእሰይ ሃብቲ ምኽዕባት ጥራሕ ዘይኮነ ንኻልኦት'ውን ክሕግዝን ተሓጒሶም ክርኢ ምኽኣልን ካልእ ሃብቲ'ዩ ኢለ'የ ዝሓስብ"።