እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሱዳን ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሴራሚክ ዝተወለዐ ባርዕ፡ ብውሕዱ 23 ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ፋብሪካ ሴራሚክ ብዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 23 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 130 ከምዝቖሰሉ መንግስቲ ገሊጹ።
እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ፋብሪካ ሴራሚክ ብርቱዕ ነታጒ ድሕሪ ምስምዑ ዝሰዓበ ምዃኑ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ኣፍሊጡ።
ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፡ ንግዳያት እቲ ሓደጋ ንምርካብ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
መንግስታዊ ቴሌቭዥን እታ ሃገር፡ "ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ኪሳራ ወሪዱ" ክትብል ኣቃሊሓ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ፡ ሓደ ናይ ነዳዲ ገንኢ ምስ ተባረዐ ዝተልዓለ ከምዝኾነ መግለጺ እቲ መንግስቲ ኣመላኺቱ።
"እቲ ነታጒ ብርቱዕ'ዩ ነይሩ። ሓያሎ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ፋብሪካ ዝነበራ መካይን'ውን ተቓጺለን'የን" ክብል ሓደ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ንኤ ኤፍ ፒ ተዛሪቡ።
ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ፡ ንግዳያት ናብ ሆስፒታል የብጽሑ ከም ዘለዉን፡ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ተገሊጹ።