ንኣምባሳደር ኣሜሪካ ዘሰንበደ ፍርዲ ዛምብያ

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዛምቢያ፡ 'ሕጊ ተፈጥሮ ተጢሶም ፆታዊ-ርክብ ፈጺሞም' ተባሂሎም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቀረቡ ክልተ ኣሰብኡት፡ 15 ዓመት ንክእሰሩ ብቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ብምፍራዱ፡ ነቲ ፍርዲ ብትሪ ኮኒኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ብይን ዘሕለፈ ቤት-ፍርዲ ዛምቢያ፡ ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም ጃፌት ቻታባን ስቴቨን ሳምባን ገበነኛታት ኢልዎም ኣሎ።

ዛምብያ፡ ዓቃባዊት ሃገር ኮይና፡ ተመሳሳሊ ጾታ ወሲባዊ ዝምድና ከምዘይተፍቕድን፡ ንዝኾነ ይኹን ተግባራት ተመሳሳሊ ፆታ ሕጋዊ ከምዘይኮነን ትገልጽ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዳኒኤል ፎቴ ግና፡ ካልኦት ገበናት ኣብ ዘለውዎ፡ ንሕፀ ተመሳሳሊ ፆታ ምቕፃዕ ምስሉይነት እዩ ብምባል፡ ንሰብመዚ እታ ሃገር ወቂሱ።

"ብዛዕባ እቶም ሓባራዊ ርክብ ዝነበሮም ክልተ ደቂተባዕትዮ ምፍራዶም ምስሰማዕኩ፡ ከም ውልቀይ ሰምቢደ እየ፤ ተግባሮም ንዝኾነ ሰብ ዝጎድእ ኣይኮነን" ክብል ወግዓዊ መግለፂ ፅሒፉ።

"ሰበ-ስልጣን መንግስቲ እንከይተኸሰሱ፡ ሚልዮናት ዶላራት ገንዘብ ህዝቢ ክሰርቁ ይኽእሉ እዮም፣ ካድረታት ፖለቲካ ሓሳቦም ንዝገለፁ ንፁሃት ዜጋታት ምውቃዕ ይኽእሉ፣ ሃደንቲ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ሓራማዝ ይቐትሉ፣ ቀርኒ ሓርሽ ንምሻጥ ኣረሜናዊ ቅትለት ይፍፀም፤ ነዚ ኩሉ ግን፡ ኣብ ዛምቢያ፡ እንተበዝሐ ሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ እዮም ዝእሰሩ" ብምባል ነቲ ዘይፍትሓዊ ዝበሎ ፍርዱ ኮኒኑ።

እዚ ብይን፡ ነቲ ኣብ ዛምቢያ ዝፍፀም ዘይተነገረ ሃሰያ፡ ንዓለም ዘርእይ እዩ ዝበለ ኣምባሳደር ዳንኤል፡ ኣብ ዛምብያ ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት የብሉን ኢሉ።

"እዚ ፍርዲ፡ መሰል ዜጋታት ዝግህስ፣ መሰል ውሑዳት (ካብ ካልኦት ዓሌት ናይ ዝመፅእ ፖለቲካዊ ምትእስሳር)፣ በሓይ (ኣልቢኖ)፣ ጉድኣት ኣካል፣ ድርብ ፆታ ዘለዎም፣ ሕፀ ተመሳሳሊ ፆታ ዝገብሩ፣ ክልቲኡ ፆታ ንዘለዎምን ወገናትና መሰሎም ዝግህስን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ግፍዒ ዘቐፅልን እዩ" ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፤ እዚ ግዝኡ ዝሓለፈ ሕግታት ተመሊስካ ብምርኣይ፡ ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎምን ካልኦትን፡ ብኸመይ ክተሓዙ ከምዘለዎም ክረኣ ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ።