ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንብልጽግና ፓርቲ ኣይመዝገብኩዎን ኢሉ

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PMO

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሓድሽ ሰልፊ 'ብልጽግና ፓርቲ ብወግዒ ከም ዘይመዝገቦ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቀንዲ ውራይ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝኸነ ብምግላጽ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ፖለቲካዊ ሰልፊ እንትምስርቱ፣ እንትወሃዱ ኾነ ሽሞም እንትቕይሩ እንህቦ ርኢይቶ የለን ዝበለት ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን እቲ ቦርድ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ፡ "ፒፒ ክሳብ ሕጂ ዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ የለን" ኢላ።

"ፓርቲ ብልጽግና ሕቶ ምዝገባ ኣብ ዘቐርበሉ እዋን ግን፡ ዘድሊ መስርሕ ብምርኣይ እቲ ቦርድ ክምዝግቦ'ዩ። ካብዚ ወጻእ ግን፡ እቲ ሕጂ ብመራኸብቲ ብዙሃን ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ዝግለጹ ዘለውን ዝወሃቡ ርኢይቶታትን ኣመልኪቱ ግን፡ እቲ ቦርድ ርኢይቶ ኣይህበሎምን"።

ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ብግንባር ክመርሕ ዝጸንሐ ልፍንቲ ኣርባዕተ ክልላዊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝኾነ ኢህወደግ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ቤት ምኽሪ እቲ ግንባር፡ እቲ ውህደት ከም ዘጽደቖ ይፍለጥ።

ነቲ ውህደት ከይተቐበለ ዝተረፈ መስራቲ እቲ ግንባር ዝነበረ ህወሓት ኮይኑ፡ ሕጂ'ውን እቲ ውህደት ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለን ግዚኡ ዘይሓለወን ክብል ክነቕፎ ይስትውዓል።

ትማሊ፡ ውህደት ኢህወደግ ከም ዝተወድአን ፒፒ ዝብሃል ሰልፊ ከም ዝተመስረተን ዘበሰረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ እቲ ሰልፊ ንዝቕጽሉ 10 ዓመታት እታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ከሳግሩዋ ዝኽእሉ ሓሳባት ሒዙ ከም ዝመጽአ ገሊጹ።

እዚ ድማ፡ ናይ ኣዋርሕ ዕድመ ኣብ ዝተረፎ ሃገራዊ መረጻ፡ ኢህወዴግ በየናይ ሽም እዩ ክወዳደር ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ።

ወይዘሪት ሶሊያና ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ድማ፡ ሓደ ሰልፊ ሰሌዳ ምርጫ ቅድሚ ምውጽኡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ተመዝጊቡ ክጸንሕ ኣለዎ ኢላ።

"ዝኾነ ፓርቲ፡ ምዝገባ ሕጹያት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ሰርቴፊኬት ምዝገባ ክህልዎ ይግባእ። ቅድሚ ዝኾነ እንተኾነ ጸገም የብሉን፤ ሕጹያተይ መዝግቡለይ ኢሉ ናባና እንትመጽእ ግን ሰርቴፊኬት ክህልዎ ኣለዎ" ትብል።

ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ 'ኣንድነት ፓርክ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ 'ኣንድነት ፓርክ'

ምርጫ ግን ክካየድ ድዩ?

ኢትዮጵያ ኣብ 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ክተካይዶ መደብ ዝሓዘትሉ ሃገራዊ ምርጫ፡ ክካየድ ድዩ ኣይካየድን? እንታይ ሒዝካ እዩ ምርጫ ክካየድ? ብዝብሉን ካልኦትን ክትዓት ተወጢሩ ይርከብ።

እንተኾነ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ እቲ ምርጫ ግዚኡ ሓሊዩ ከም ዝካየድ ብምግላጽ ምድላዋትን ምምሕያሻት ሕጊ መረጻን ይወጋግን ከም ዘሎ ይሕብር።

ኣብታ ሃገር ዘለው ልዕሊ 130 ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ጎስጓስ መረጻ፣ ኣኼባታትን ፖለቲካዊ ዘተታትን ከካይድ ኣይርአን።

ስለ ምንታይ ዝብል ባዕሎም እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ክምልስዎ ይግባእ ዝበለት ወይዘሪት ሶሊያና፡ "ቅድሚ ሕጂ ፖለቲካ ምህዳር ስለ ዘይፈቅድ እቲ ሕብረሰተብ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ይብሉ ነይሮም። እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ ቦርድ ምርጫ ካብ ዝመጽእ ንነዘ ብዘሎ ኩነታት ፖለቲካዊ ምህዳር ግን ተኸልኪልና፣ መአከቢ ቦታ ስኢንና፣ ዘተ ክነካይድ ጸገም ኣጋጢሙና ኢሎም ጥርዓን ዘቕረቡ የለውን" ትብል።

ፋይናንሳውን ካልኦት ተዛመድቲ ጸገማትን ክህልዎም ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ክገብሩ ምተገብአ ይብል ቦርድ መረጻ።

እቲ ቦርድ ንምርጫ ዝሕግዙ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ዝገለጸት ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን እቲ ቦርድ፡ ኣብታ ሃገር ብሓደ ሸነኽ ለውጢ፣ ብካልእ ወገን ድማ ስሩዕ ስራሕቲ ይሳለጡ ኣብ ዘለሉ ብዘሎ መስርሕ፡ ምርጫ ንምክያድ ዘድሊ ግዘ ይድፋእ ከም ዘሎ ትገልጽ።

ሓድሽ ሕጊ ቦርድ ምርጫ ካብ ዝጸድቕ ጌና ክልተ ወርሒ'ዩ። ብሕጂ እቲ ቦርድ 40 መምርሕታት ከውጽእ ትጽቢት ይግበሮ።

ንምርጫ ምድላው ንምግባር ድማ፡ ብፍላይ ምዝገባን ሰርተፊኬት ምሃብ ንፖለቲካዊ ሰልፊታትን፣ ጎስጓስስ መረጻ ዝምልከቱ ጉዳያት ዝጥምት መምርሕን ደንብን ኣውጺኡ ክውድእ ከም ዝግብኦ ድማ ሶሊያና ትጠቅስ።

"ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለና ዝርርብ ባዕሉ፡ ኣይንዘራረብን ርኢይቶ ኣይንህብን ብምባሎም ነዞም ስራሕትና እናጎተቶ መጺኡ'ዩ። እዚ፡ ድሓር ናብ ምርጫ እንገበርኦ መስርዕ ኣጻዳፊ ክገብሮ'ዩ፤ እዚ ነቶም ፖለቲካዊ ውድባትን ነቲ ቦርድ መረጻን ጸቕጢ'ዩ ከሕድረልና"።

ንምርጫ ክወዳደሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ክሳብ ሕጂ ጎስጓስ መረጻን ካልእ ምንቅስቓስን ዘየርኣይሉ ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል'ዩ ዝበለት ሶልያና፡ "እቲ ቦርድ ብዘለዎ ግዘ ግቡእ ምድላው ይገብር ስለ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ምድላዋቶም ክገብሩ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ፡ መወዳእትኡ ንኹላትና እዩ ዝጎድአና" ኢላ።

ክሳብ ሕጂ ብዘሎ እምነት እቲ ቦርድ ግን፡ ምርጫ ኣብ ግዝኡ ክካየድ ምኻኑ ሓቢራ።

"ሪፎርም ኣብ ዝግበረሉ ዓመት ኮይንካ ምርጫ ምክያድ ኣጸጋሚ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ዘለና እምነት ግን ምርጫ ክነካይድ ኢና ዝብል እዩ። ክነካይድ ኢና'ውን"።