እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዚላንድ፡ ፈላሚ ባንኪ ዘርኢ ደቂ-ተባዕትዮ ተጠቃዕቲ ኤችኣይቪ ተኸፊቱ
ኣብ ሕማም ኤች-ኣይ-ቪ ዝርአ ኣድልዎ ኣብ ምቕራፍ ክሕግዝ እዩ ዝተብሃለ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ዘርኢ ዝልግሱሉ ፈላሚ ባንኪ ኣብ ኒው ዚላንድ ተኸፊቱ።
ውሑድ መጠን ቫይረስ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰለስተ ሰብኡት ድማ ዘርኢ ንምሃብ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ኣዝዩ ትሑት መጠን ቫይረስ ብጾታዊ ርክብን ኣብ እዋን ወሊድን ክመሓለለፍ ኣይክእልን ማለት እዩ።
ነዚ ትካል ዘጣየሱ ሰለስተ ገበርቲ ሰናይ ትካላት፡ እዚ ተግባር ኣብ ምምሕልላፍ እቲ ሕማምን ኣድልዎን ትምህርቲ ከምዝህብ ተስፋ ይገብሩ።
እቲ ባንኪ ዘርኢ ደቂ-ተባዕትዮ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዘርኢ ዝልግሱ ሰባት ኣብ ደሞም ኤች-አይ-ቪ ዘለዎም ኮይኖም፡ ነቲ ቫይረስ ከየመሓላልፉ ዝገብር ሕክምና ዝግበረሎም እዮም።
ካብቶም ዘርኢ ዝለገሱ ሰለስተ ሰባት ሓደ ዝኾነ ደምያን፡ ኣብ ደሙ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎ ንሓለቕኡ ብምዝራቡ ካብ ሰርሑ ከምዝተባረረ ንሬድዮ ኒው ዚላንድ ገሊጹ።
ኣብ 1999 ሕክምና ዝተገበረሉ ደምያን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ዝርከብ ኮይኑ፤ በዓል ሓዳር፣ ክልተ ደቅን ሰለስተ ደቂ ደቅን ዘለዉዎ እዩ።
ኣብ ደም ዝኣተወ ቫይረስ ከይራባሕ ዝገብር 'ኣንቲሪትሮቫያራል' ዝተባህለ መድሃኒት ሓዊሱ ኣብ ሕክምና ኤች-ኣይ-ቪ ዝናኣድ ምዕባለታት'ኳ እንተሃለዉ፤ ሕዚ'ውን እቲ ሕማም ካብቶም ቀንዲ ፈተናታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ 2018 (ኣኣ)፡ 38 ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ደሞም ኤች-ኣይ-ቪ ኤድስ ነይሩዎም።