እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ'ዩ ኣብ ዓለምና ዋሕዲ ሑጻ ዝርአ ዘሎ?
ዋላ`ኳ ሑጻ ብዙሕ ዋጋ ከም ዘይብሉ ነገር ይርአ ድኣ`ምበር ኣብ ሂወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ኣብ ዘበናውያን ከተማታት፡ ናይ ንግዲ ማእከላት፣ መንበሪ ገዛውቲ፣ ጽርግያታትን ካልእ ምስ ህንጻ ዝተኣሳሰር ነገራት ንምህናጽ፡ ሑጻ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ሃብቲ ተፈጥሮ ኢዩ።
ኣብ ዓበይቲ ህንጻታትን መንበሪ ገዛውትን ዝርከብ መሳኹቲ፡ ናይ መካይን መስትያት፡ ዘበናውያን ናይ ኢድ ቴሌፎናት [ስማርት ፎን] ኮምፒዩተራን ካልእ ኤሌትሮኒካዊ መሳርሒታትን ካብ ዝመኸኸ ሑጻ ኢዮም ዝስርሑ።
እዛ እንነብረላ ዓለም ብሑጻ ዝተሸፈነት እያ፤ ካብ ሰሃራ ክሳብ ግዝኣት ኣሪዞና [ኣሜሪካ] ዝርከቡ ምድረበዳታት ብኹምራ ሑጻ ዝተሸፈኑ ኢዮም።
ገማግም ባሕርታት`ውን ብጻዕዳ ሑጻ ዝመልኡ ኢዮም፤ ኣበይ ደኣ'ዩ ዘሎ እቲ ሕጽረት ክትብል ትኽእል ኢኻ።
እመን ኣይትእመን፡ ኣብዚ እዋን፡ ዓለምና ብሕጽረት ሑጻ ትሽገር ኣላ። ብኸመይ መንገዲ ኢያ`ሞ ዓለምና ብሕጽረት ናይቲ ዳርጋ ኣብ ዝኾነ ኹርናዕ ዓለምና ዝርከብ እሞ ማእለያ ዘይብሉ ሑጻ ትሽገር ዘላ?
ሑጻ ምስቲ ማእለያ ዘይብሉ ክንሱ፡ ደድሕሪ ማይ፡ እቲ ኣብዛ ዓለም ዝያዳ ዝሃልኽ ተፈጥራዊ ሃብቲ ኢዩ። ሰባት ኣብ ዓመት ዳርጋ 50 ቢልዮን ቶን [500 ቢልዮን ኩንታል] ሑጻን ኮረትን ዝተሓዋወሰ ንህንጻዊ ስርሓት ይጥቀሙ።
እቲ ሽግር ኣብቲ እንጥቀመሉ ዓይነት ሑጻ ኢዩ ዝምርኮስ። እቲ ኣብ ምድረብዳ ዝርከብ ሑጻ ዳርጋ ጥቕሚ የብሉን። ዝበዝሐ ናይቲ እንጥቀመሉ ሑጻ ንካሻስትሩስ [ኮንክሪት] ኢና እንጥቀመሉ። እቲ ናይ ምድረበዳ ሑጻ፡ ኣዝዩ ልሙጽን ከቢብን ስለዝኾነ ብሲሚንቶ ስለዘይተሓሓዝ፡ ንካሻስትሩስ ኣይከውንን ኢዩ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ገማግም ዋሓይዝ ኣፍላጋት፣ ቀላያት፣ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ዝርከብ ኩርናዓዊ መልክዕ ዘለዎ ዓይነት ሑጻ ኢና ንህንጻዊ ስርሓት እንጥቀመሉ።
እቲ ጠለብ እዚ ዓይነት ሑጻ ኣዝዩ ዓቢ ስለዝኾነ ድማ፡ ነዚ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ምህርቲ ንምሕፋስ ገማግም ሩባታትን ባሕርታትን ጥራየን ክተርፋ ከለዋ፡ ግራውትን ጫካታትን ድማ ባዲሞም ይርከቡ።
ሑጻ ኣዝዩ ክቡርን ዋጋ ከምዘለዎ ዝተገንዘቡ ጉጅለ ወረበላታት ኣብ ናይ ሑጻ ንግዲ ተዋፊሮም ይርከቡ። ኣብዚ እዋን ኣብ ገለ ሃገራት ሑጻ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብኮንትሮባንድ ክሽየጥ ጀሚሩ ኣሎ።
"እዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ተጋሂዱ ዘሎ ሽግር ሑጻ ንብዙሓት ሃንደበት ኢዩ ነይሩ፤ ልዕሊ 50 ቢልዮን ቶን ዝኣክል ዝኾነ ዓይነት ነገር ካብዛ ዓለም ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና፡ እንተገይርና ድማ ስምብራቱ ኣብዛ እንነብረላ መሬትን ህዝብን ይርአ" ኢሉ ፓስካል ፔሩዚ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመራማራይ ኣካባብያዊ ፕሮግራም [ዩኔፕ]።
እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሽግር ድማ እቲ ሓደገኛን ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ምኽታም ከተማታት ኢዩ።
ነብሲ ወከፍ ዓመት ብዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ኣብዝኸደሉ እዋን፡ ዋሕዚ ህዝቢ ናብ ከተማታት ብፍላይ ኣብተን ዝምዕብላ ሃገራት እናዓበየ ብምኻዱ፡ ዝያዳ ከተማታት ብምጥያሰን እቲ ናይ ሑጻ ተደላይነት ዝያዳ ብምዕባዩ፡ ኣብ ገለ ቦታታት ዓለምና ሕጽረት ሑጻ ክግሃድ ጀሚሩ።
ብፍላይ፡ ኣብ እስያ. ኣፍሪቃን ላቲን ኣሜሪካን ዝርከባ ከተማታት፡ ደቂ ሰባት ብዘይጽበይዎ ቅልጣፈ ክዕምብባ ይርኣያ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማታት ዝነበር ብዝሒ ህዝቢ ካብቲ ኣብ 1950 ዝነበረ ብዝሒ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ብምውሳኹ፡ ዳርጋ 4.2 ቢልዮን በጺሑ ይርከብ። ኣብዝቕጽል 30 ዓመታት ድማ ካልኦት 2.5 ቢልዮን ህዝቢ ናብ ከተማታት ክውሕዙ ከምዝኾኑ ሕቡራት ሃገራት ኣተንቢሁ።
ስለዚ፡ ነዚ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ዝኸውን መንበሪ ኣባይትን ጽርግያታትን ንምህናጽ እቲ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ፡ ሑጻ ከድሊ ኢዩ። ኣብ ህንዲ፡ ነቲ ብዓቢ ቑጽሪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህንጻ ስርሓት ዝሃልኽ ዓቐን ናይ ሑጻ ኣብዘን ዝሓለፋ 19 ዓመታት ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ይርከብ።
ኣብ ቻይና ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ዝሃለኸ ዓቐን ሑጻ፡ ካብቲ ኣሜሪካ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዘህለኸቶ ከምዝዓቢ ይግለጽ።
እታ ኣብ ምድረበዳ እትርከብ ከተማ ዱባይ ነቲ ተካይዶ ዘላ ናይ ህንጻ ስርሓት ዘድልያ ዓይነት ሑጻ ካብ ኣውስትራልያ ከምተምጽእ ይፍለጥ። ስለዚ ኣውስትራልያ ከም ሃገር ሑጻ ንሃገራት ዓረብ ትልእኽ ከምዘላ ኢዩ ዘርኢ።
ሑጻ፡ ህንጻታትን ካልኦት ትሕተ ቕርጽታትን ንምህናጽ ጥራይ ኣይኮነን ዝውዕል ዘሎ። ካብ ከርሲ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ሑጻ ብምጉራት ፡ ኣብቲ ማያዊ ግዝእታቶም ሰብ-ዝሰርሖ [ኣርቲፊሻል] መሬት ክፈጥሩ ይርኣዩ።
ንኣብነት፡ ዱባይ ኣብ ገማግም ባሕራ ኣብቲ ናይ ተምሪ ገረብ ዝመስል ሰብ-ዝሰርሖ ዝፈጠረቶ መሬት ኣዝዮ ክቡራት መንበሪ ገዛውቲ ክትሃንጽ ክኢላ ኢያ።
ናይ ናይጀርያ ዝዓበየት ከተማ ሌጎስ`ውን፡ ነቲ ስፍሓት ናይታ ከተማ ንምዕባይ ካብቲ ውቅያኖስ ኣስታት 9.7 ትርብዒት ኪሎሜትር መሬት ክትፈጥር ክኢላ ኢያ።
ቻይና፡ እታ ኣብ ዓለም ብዕብየታ ራብዐይቲ ዝኾነት ሃገር፡ ካብቲ ምስ ሃገራ ዝዳወብ ማያዊ ግዝኣታ ኣማኢት ኪሎሜትራት ዝኸውን ሰብ-ዝሰርሖ መሬትን ዴሴታትን ፈጢራ ኣላ።
እዚ ኣብ ኬንያን ወሽመጥ ፋርስን፡ ፍሎሪዳ [ኣሜሪካ]፣ ሲንጋፖር፣ ሆላንድ፣ ቬትናምን ካምቦድያን መንበሪ ገዛውቲ ንምህናጽ ካብ ከርሲ`ቲ ውቅያንስን ባሕርታትን ሑጻ ባሕጒግካ ንምውጻእ ዝግበር ስርሓት፡ ነቲ ዕምቆት ናይቲ ገማግም ብምዕሟቕ ነቲ ኣብ ከርሲ እቲ ውቅያኖሳት ዝርከብ ዕምባባታት [ኮራል ሪፍ] የዕንውዎ ኣለው።
እዚ ስርሓት`ዚ ነቲ ከርሲ ባሕሪ ስለዝብሕጉጎ ነቲ ማያት ስለዘጨቅዎ ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ከርሲ ባሕሪ ዝርከቡ ፍጥረታትን ተኽልታትን የብርሶም ኣሎ።
ስለዚ፡ ሑጻ ንህንጻን ካልእ ኢንዱስትርያዊ ስርሓት ንምክያድ ዝግበር ዘበለ ኩሉ ስርሓት የዕናዊ ኢዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንህንጻ ዝውዕል ሑጻ ካብ ወሃይዝ ኢዩ ዝሕፈስ። እቲ ነቲ ሑጻ ንምሕፋስ ዝግበር ስርሓት ድማ ነቲ ማይ ስለዘጨቅዎ እቶም ኣብቲ ሩባታት ዝርከቡ ዓሳታት ይዕፍኖም፡ ነቶም ኣብቲ ሩባ ዝርከቡ ተኽልታት ድማ እኹል ናይ ጸሓይ ብርሃን ከምዘይረኽቡ ስለዝገብሮም ይቕምስሉ።
መስትያትን ምዕቡል ቴክኖሎጂ ከም ብዓል ሰሌዳ ጸሓይን [ሶላር ፓኔል] ናይ ኮምፒዩተር ቺፕን ስማርት ፎንን ንምምስራሕ ናይቲ ጽሩይ ሑጻ ጠለብ ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዊንስኮንሲን ዝርከብ ኣሽሓት ሄክታራት ናይ ሕርሻ ቦታን ጫካታትን ነቲ ሑጻ ንምሕፋስ ተባሂሉ ብዝተግብረ ስርሓት እቲ መሬት ባዲሙ ይርከብ።
ተደላይነት ናይ ሑጻ ኣዝዩ ስለዝዓበየ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ወረበላታት ኣብቲ ናይ ሑጻ ንግዲ ብምእታዎም፡ ኣብ ገለ ቦታታት ሑጻ ብኮንትሮባንድ ኣብ ጸሊም ዕዳጋታት ይሽየጥ ኣሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታ ኣፍሪቃን ላቲን ኣሜሪካን ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከይተረፉ ኣብቲ ሑጻ ዝሕፈሰሉ ቦታታት ከም ጊልያታት ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለው ውድባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
እቶም ጉጅለ ወረበላታት ኣብቲ ዘካይድዎ ዘይሕጋዊ ናይ ሑጻ ንግዲ ደው ንዝብሉ ሰባት ይኹኑ ናይ ጸጥታ ኣካላት የፈራርሕዎም ጥራይ ዘይኮነ ይቐትልዎም።
ኣብ ዓዲ ህንዲ እቶም ብማፍያ ናይ ሑጻ [ሳንድ ማፍያ] ዝፍለጡ ጉጅለ ወረበላታት ብዙሓት ሰባት ከቑስሉ ከለው ዓሰርተታት ድማ ቀቲሎም።
እቲ ሑጻ ንህንጻን ካልእ ነገራትን ንምውዓል ዝግበር ዘበለ ኩሉ፡ ኣብ ኣከባቢ ዘስዕቦ ሳዕቤናት ሰባት ክርድኡ ዝጀመሩ ይመስል።
ገለ ናይ ስነ-ፍልጠት ምሁራት ነቲ ካብ ሑጻን ክጆረትን ዝስራሕ ካሻስትሩስ (ኮንክሪት] ብኻልእ ፍርያት - ከም ዝተቖራረጸ ፕላስቲክን - ካልእን ንምትክኡ መጽናዕትታት ከካይዱ ከለው፡ ካልኦት ድማ ውሑድ ዓቐን ሑጻ ዝጥቀም ካሻስትሩስ ይምህዙ ኣለው።
ብዝኾነ ኣብዚ እዋን ክንደይ ዝእክል ሑጻ ካብ ቀላያት፣ ውሑጃትን ውቅያኖሳትን ይሕፈስ ከምዘሎ ዝፈልጥ የለን።
እቲ ሓደ ንኹሉ ብሩህ ዝኾነ ግና ብዝሒ ደቂ ሰባት ኣብ ዝውስኽሉ ንዕኦም መንበሪኦም ዝኸውን ኣባያቲ ምህናጽ የድሊ፡ ነቲ ህንጻታት ንምህናጽ ድማ ሑጻ የድሊ። ስለዚ ስጋብ ቁጽሪ ኣሕዛብ ዝወሰኸ ድማ ተደላይነት ናይ ሑጻ ይዓቢ።