ድሕሪ ረፈረንደም ሲዳማ እንታይ ኮን ክስዕብ እዩ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ምፍልላይ ከየብዝሕ ስክፍታ ፈጢሩ ዝርከብ ብሄራዊ ሃገራውነት ንምዕቃብ ይቃለስ ኣሎ።

ሎሚ ሮቡዕ ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ዞባ ሲዳማ ኣብ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ክልል ምዃንን ዘይምዃንን ድምጾም ክህቡ ጀሚሮም ኣለው።

እቲ ህዝበ ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ኣብ መንጎ ብሄራት ዝርአ ምፍልላይ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዝኽእል እንተኾይኑ ከረጋግጽ እዩ።

ብዘይካ'ዚ እዚ ረፈረንደም፡ ቅድሚ'ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረጻ ይካየድ ብምህላው፡ ንመስርሕ መረጻ እታ ሃገር'ውን ዝፍትን እዩ።

ስለምንታይ ሕጂ ይካየድ ኣሎ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ በቲ ዝገበሮ ሰፊሕ ተሃድሶታት ክሙገስ ጸኒሑ እዩ።

ኣብታ ልዑል ቁጽጽር ጸጥታ ከም ዝነበራ እትግለጽ ሃገር ብዙሕ ለውጥታት ገይሩ እዩ። ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ኲናት ወጥሪ'ውን ብሰላም ብምዕራፉ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከኸውን ኣብቂዕዎ እዩ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብቶም ኣብ ዝተፈላለያ ብሄራት፡ ንዝያዳ ነጻነት ዝጉስጉሱ ትካላትን ሰልፍታትን ዘለዎ ዝልቕ ዝበለ ኣተሓሕዛ፡ ነቲ ተደጒሉ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቃልዕ ከየውጽኦ ዘስግእ እዩ።

ኣብታ ሃገር ብዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ ይርከብ።

እቲ ሓዳስ ክልል ንምፍጣር ዝካየድ ዘሎ ረፈረንደም'ውን ኣብ ሓደ ክፋል እታ ሃገር ንዘሎ ጠለባት ናይ ብሄር ክምልስ ተስፋ ዝተነበረሉ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ እዩ።

ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ እቲ ረፈረንደም ብምድንጓዩ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ሲዳማ ብዝተላዕለ ጎንጺ ብውሕዱ 25 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

እቶም ሲዳማ ክልል ክትከውን ዝደልዩ ጠለቦም እንታይ እዩ?

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ -1995 ንትሽዓት ክልላት ኣቚሙ። በዚ መሰረት ትግራይ ብብዝሒ ተጋሩ፡ ኣምሓራ ብብዝሒ ኣምሓሩ ዝርከቡሉ ክኸውን ከሎ፡ ሲዳማ ግና ኣካል ናይታ ልዕሊ 50 ብሄራት ዝኾነት፡ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኮይና ምስ ደቡብ እያ ተሓቚፋ ጸኒሓ።

ካብ ብሄራት ኢትዮጵያ ብብዝሖም ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ዝስርዑ ህዝቢ ሲዳማ፡ 4% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሽፍኑ ኮይኖም፡ ዝያዳ ፖለቲካዊ ሓይልን ኣፍልጦን ይጠልቡ።

ብመሰረት እቲ ናይ ቀደም ሕገ መንግስቲ፡ ሲዳማ፡ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ዝነብሩላ እኳ እንተኾነት፡ ርእሳ ዝኸኣለት ክፍለ ሃገር እያ ነይራ።

ሲዳማ ሓዳስ ፈደራላዊት ክልል ምስ እትኸውን፡ ናታ ፖሊሲን ክልላዊ ሓይሊ ፖሊስን ክህልዋን፤ ኣብ ቀዳምነታት ህዝቢ ሲዳማ ብምምርኳስ ንባጀታ ከተካይድን እያ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዝዓበየ ናይ ቋንቋን ባህልን ኣፍልጦ ክረኽቡ ከኽእሎም እዩ።

ምፍጣር ሓድሽ ፌደራላዊ ክልል እንታይ የመላኽት?

ኣብ መንጎ ህዝቢ ሲዳማ፡ ኣብ ጉዳይ ክልል ምዃን ብዙሕ ፍልልይ እኳ እንተዘየሎ፡ እዚ ረፈረንደም (ውሳነ-ህዝቢ)፡ ካልኦት ብሄራት ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ከልዕሉ ከይድርኽ ስግኣት ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ህዝብታት፡ ወላይታን ሃዲያን ናይ ገዛእ ርእሶም ፈደራላዊ ክልል ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለው። ተመሳሳሊ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሕቶታት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዝገጥሞ ብድሆ እምበኣር፡ ነዚ ኩሉ ጠለባት፡ ጎንጺ ብዘየለዓዕል መገዲ ብኸመይ ይምልስዎ እዩ።

ተግባራውነት መስርሕ ምድማጽ

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ ዝካየድ ረፈረንደም ንምስታፍ፡ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ምምዝጋቡ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ንምስታፍ፡ ኣብ ዞባ ሲዳማ እንተወሓደ ሽዱሽተ ወርሒ ዝነበርካ ክትከውን ይግባእ።

ኣድመጽቲ ካብቲ ተቐሪቡሎም ዘሎ ክልተ ሰናዱቕ ድምጺ ናብቲ ዝመረጽዎ ወረቐቶም የእትው።

እቶም ሲዳማ ክልላዊ መንግስቲ ክትከውን ዝደልዩ ነቲ ናይ ሳርማ ('ሻፌታ') ምልክት ክመርጹ ከለው፤ እቶም ሲዳማ ኣብ ክልል ደቡብ ክትጸንሕ ዝደልዩ ድማ፡ ነቲ ናይ ኣጉዶ ምልክት ብምምራጽ ድምጾም ክህቡ እዮም።

ውጽኢት እቲ መረጻ ሓሙስ ንህዝቢ ከም ዝንገር ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።