ብዕግርግርን ዘይዛሪ ኲናትን ትሕቆን ዘላ ሊቢያ መወዳእትኣ እንታይ ይኸውን?

ዕጡቓት ናይቲ ዓለማዊ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ዘለዎ መንግስቲ - ሚያዝያ 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንነዊሕ እዋን ነታ ሃገር ንዝመሓደረ ሙዓመር ጋዳፊ ካብ መንበር ዙፋን ዝገለፋ፡ ኣብ ናይ 2011 ሰውራ ዝነበራ ከበድቲ መዓልታት ሓሊፈን።

እዚ ሰውራ ኣብ ዝወለዶም ዓመታት ድማ፡ ብዛዕባ ምእንተ ስልጣን ዝግበር ሕሱም ቃልሲ፣ ነንሕድሕዶም ዝቀዳደሙ ሚልሻታት፣ ተነሓነሕቲ መንግስታትን ወጻእተኛታት ተዋሳእትን፡ ብሓፈሻ ቅልውላው ሊቢያ ዘንጸባርቕ፡ ተኸታታሊ ናይ ተሌቬዥን ተዋስኦ፡ 'ጌም ኦፍ ትሮንስ' [Game of Thrones] ተራእዩ። ሊቢያውያን ድማ፡ ምስ ኩነታት ሃገሮም ኣመሳሲለሞ።

ሎሚ፡ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ሊቢያ ዋላ'ኳ ዕሙራት እንተኾኑ፡ ካብታ ከተማ ርሒቑ ዝስማዕ ድምጺ ውግእ ግን፡ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ እታ ከተማ ንክቋረፅ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ከተማ ትሪፖሊ፡ ብነዳዲን ቡንን ሃፍታም እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዳግማይ ዘንሳእረረ (ዝደገሰ) ውግእ ሊቢያ፡ ቅድሚ ሕዚ ንሓይልታት እታ ሃገር ዝከሓደን ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዝዓረደን ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር፡ ሰራዊቱ ብምምራሕ ኣብ ምዕራባዊ ትሪፖሊ መጥቃዕቲ ብምኽፋቱ ዝተወልዐ እዩ።

ንሱ ዝመርሖ 'ሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ' ዘጣየሸ ጀነራል ካሊፋ፡ ንመብዛሕትኤን ከባብታት እታ ሃገር ተቖፃፂርወን እዩ።

ይኹን'ምበር ትሪፖሊ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንነዘ ንሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ብመንግስቲ እታ ሃገር እናተሓለወት፡ ዛጊድ ካብ ኢድ ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ምስ ሃደመት እያ።

በዚ ድማ እቲ ጀነራል ኣብ ወሰናወሰን ደቡባዊ ክፋል እታ ከተማ ተገቲኡ ይርከብ።

'ሃንደበት ዝድርበይ ኣናእሽቱ ቦምባ'

ጀነራል ሓፍጣር ኣብ ሞንጎ ሚልሻታት ብዝነበረ ሓድሕዳዊ ውግእ፡ ርሒቑ እኳ እንተነበረ፡ ሕዚ ግና፡ 'መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ [GNA]' ብዝብል መጸውዒ፡ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ይዋጋእ ኣሎ።

እዚ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ፡ 'መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ [GNA]'፡ ኣብታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ቀረብ ማይን መብራህትን ንምኽፋት (ንምምላእ) ከምዝቃለስ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ሊቢያ ኣብ ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ መስመር እቲ ግንባር ንምርኣይ፡ ብክፍቲ መኪና፡ ውግኣት ብዝተኻየደለን ካብ ከተማ ወጻኢ ዝርከባ ከተማታት ኣቢልና ኢና ተጓዒዝና።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ መወዳእታ ጉዕዞና ኣብ ዝግበርናሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ኣብታ ሃገር ምስ ዝነበረ ምንቅስቓሰ ዝመሳሰል ቁሩብ ግስጋሰ ነይሩ።

ብፀላእቶም እንተተቐተሉ ድምብርጽ ብዘይብሉን ንሞት ብዘይፈርሑን መናእሰይ ዝግበር ግስጋሰ።

ሃንደበት ሓደ ተቓላሳይ፡ ጸረ-ታንኪ ዝኾነ መሳርሒ ንክትኩስ ይፍትን እሞ፡ ምስ ኣበዮ ግና ናብ 'ጋቢና' መኪና ይስንድዎ።

Presentational grey line

'ናፍቖት ሰላም '

ህድኡን ቅጥን ዝበለ ቁመና ዘለዎ ኮማንደር ሳሌም ቢን ኢስማዔል፡ ነቲ ናብ ሓይልታት ጀነራል ካህሊፋ ሓፍታር ዝወስድ ምድረበዳ መንገዲ ይዕዘብ ኣሎ።

እቶም ሓይልታት ካብቲ መገዲ 500 ሜትር ርሕቐት እዮም ዝርከቡ።

ገዲም ኮማንደር ኢስማዔል፡ እዚ ሕዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ፡ ኣብ ሊቢያ መላኺ ስርዓት ተመሊሱ ንከይመጽእ ንምክልኻል ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን።

"ካብ 2011 ጀሚርና ኣብ ዕግርግር ኢና ዘለና። እዚ ናይ መወዳእታ ኲናት ክኸውን እየ ዘተስፉ። ካብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ንምንጋፍ ኣንጻር ጋዳፊ ተቓሊስና፤ ሳዕቤናቱ ድማ ደጊምና ንኽንቃለስ ኣገዲዱና ኣሎ" ይብል።

"መምረጺ ወረቐትን መረፃ (ምርጫ) ሲቪላዊ መንግስትን ኢና ንደልይ፤ ብዲሞክራሲ ኢና ንኣምን" ብምባል ናይ መጻኢ ሃንቀውትኡ ይገልፅ።

ኣብ ብዙሓት ዓውደ-ኩናት ዝወፈረ ጀነራል ሓፍ

ብ1969 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝነበረ ዘውዳዊ ስርዓት ንምዕላው፡ ወዲ 26 ዓመት እንከሎ፡ ንጋዳፊ ደጊፉ እዩ። ብ1973 ኣብ ዝነበረ ኩናት ከኣ፡ ኣንጻር እስራኤል ወፊሩ።

ጀነራል ሓፍጣር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሞንጎ ቻድ (ጫድ)ን ሊቢያን ጎንፂ ምስ ተፈጠረ፡ ብ1980 ንሰራዊት ሊቢያ መሪሑ ተቓሊሱ።

  • ኣብ 1987 ብሰራዊት ቻድ ተማሪኹ፡ ብጋዳፊ'ውን ተካሒዱ
  • ኣብ 1990 ምስተፈትሐ ድማ፡ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ጥቓ ዋና ቤት_ጽሕፈት ሲኣይኤ (CIA) ይነብር ነይሩ
  • ኣብ 2011 ጋዳፊ ካብ ዙፋኑ ምስተገለፈ፡ ናብ ሊቢያ ተመሊሱ፡ ሕዚ ሓያል ወተሃደራዊ ኮማንደር ሊቢያ ከምዝኾነ ይቑፀር
  • ኣብ 2014 ኣብ ቤት-ምኽሪ ብዝተመረጸ ምምሕዳር 'ቶብሩክ' ይድገፍ፡ ንግብጺ የመሓድር ብዘሎ ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ሲሲ'ውን ይድገፍ

"ናይ ሊቢያ ኣል-ሲሲ" ክኸውን ከምዝምነ ገሊጹ ነይሩ።

Presentational grey line

ብዙሓት ንትሪፖሊ ዝተኸላኸሉ፡ ንመንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ[GNA] ካብ ምድጋፍ፡ ንጀነራል ሓፍታር ይቃወሙ፤ ካብ ክልቲኡ ዘይኮኑ'ውን ብዙሓት እዮም።

ይኹን'ምበር ጀነራል ሓፍጣር፡ ንግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሩስያን ዝርከብአን መሓዙት ናይ ደገ ደገፍቲ ኣለውኦ።

ስለዚ፡ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ ኲናት እንክረስን፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ካልእ ስልታዊ ኩናት (proxy war) ኣሎ ማለት እዩ።

ምስ ሶርያ እንክትነፃፀር

ምሁር 'ኢንስቲትዩት ሚድል ኢስት' ኣሜሪካዊ-ሊቢያዊ ኢማድ ባዲ፡ "ንሓፍጣር ብዝድግፉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እዩ፡ እዚ ጎንጺ ቀፂሉ" ኢሉ እዩ ዝኣምን።

"ሰባት ንሓፍጣር ዓብይ ኣፍልጦ'ዮም ሂበሞ። ንወጻእተኛ ሓይልታት መሽሎኺ ቱቦ ኮይኑ። ይመስለኒ እዞም ውሳነታት ልዕሊኡ እዮም" ይብል።

ቱርክን ኳታርን፡ ደገፍቲ 'መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ' [GNA]እየን። እቶም ዝዓበዩ ጠበንጃታት ግን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እዮም ዘለዉ።

"ብመንጽር ኣሃዝ ንሓፍጣር ዝድግፋ ወይ ዝንባለ ዘለወን ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ። ልዕሊ ቱርክን ኳታርን ድማ፡ ፖለቲካዊ ርእሰ-ማል ዘለወን እየን" ይብል ኢማድ ባዲ።

ጀነራል ሓፍጣር ናብ ትሪፖሊ ምእታው እንተኽኢሉ'ውን፡ ነታ ከተማ ክቆፃፀራ ስለዘይኽእል፡ ካብኡ፡ እቲ ውግእ ተናዊሑ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዞባታት ይረኣይ ዘሎ ነዊሕ ግዘ ዝወሰደ ኲናት፡ ክኸውን ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"ኣብ ሶርያን የመን ዘሎ ኲናት፡ ብተመሳሳሊ ሓያላት ሃገራት ተሳቲፈን እየን" ይብል።

በብመዓልቱ ዝቕበሩ መናእሰይ

ወፃእተኛታት ነዚ ጎንፂ ብዘሳወራ ቁጽሪ፡ ትሪፖሊ እያ ዋጋ ትኸፍል። ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ 100 ሲቪላት ዝርከብዎም ኣስታት 1000 ሰባት ተቐቲሎም፤ 120 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ 'መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ' [GNA] ፈትሒ ባሻግሃ ብወገኑ፡ "ሊቢያ ንምህናጽ ክሕግዙና ዝግበኦም መናእሰይ በብመዓልቱ ንቀብሮም ኣለና" ኢሉ።

ዩናይትድ ኪንግደም ሓዊሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ 2011 ጀሚሩ ንሊቢያ ብዘይምሕጋዙ ተሓታቲ ከምዝኾነ ድማ ገሊፁ።

"ንሙዓመር ጋዳፊ ምውጋድ ደልዮም፡ ግን እቲ ፕሮጀክት ኣይወድእዎን። ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገርን ሰራዊትን ክድግፉና ምተገብኦም፤ ኣብ ክንድዚ እዚ ግን ገዲፎምና እዮም ከይዶም" ይብል።

እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ሊቢያን ኣልቃይዳን ነዚ ዘሎ ክፍተት ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ድማ ኣጠንቂቑ።

"እዚ ዕድል ክጥቀምሉ እዮም። ሕዚ ኣብዚ ምድረበዳ ክድንፍዑን ክንቀሳቐሱን ይኽእሉ፤ ዝኾነ ሓይሊ ደው ኣየብሎምን" ክብል ይዛረብ ባሻግሃ።

እቲ ሚኒስትር፡ እዚ ጎንፂ እንተቐፂሉ፡ ሊቢያ ናብ ሓድሕድ ኩናት ክተምርሕ ከምትኽእል ኣጠንቂቑ።

'ወድዓዊ መጠንቀቕታ'

ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል፡ "ሊቢያ ንሶርያ ምምሳል ትጅምር ኣላ" ብምባል፡ እዚ ዓመት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ዓለም-ለኻዊ ዘተ ሰላም ንኽካየድ ፀዊዐን ነይረን።

"ህጹጽ ጉዳይ እዩ፤ ኩሉ ነገር ገይርና ኢና፤ እዚ ናብ ስልታዊ ኩናት ኣይዓብን" ኢለን።

ፀብፃባት፡ ሩስያውያን ዕሱባት ወተሃደራት፣ ግብፃውያን ወተሃዳራዊ ኣማኸርቲን ኣብ ሊቢያ ዘለዋ ናይ ኢማራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውግእን ግን፡ ምናልባት እዚ ዝደንጎየ ከም ዝኾነ እዮም ዘመላኽቱ።

ወተሃደራት ናይቲ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ኣንጻር ዕጡቓት ጀነራል ሃፍታር እናተኮሱ - ግንቦት 21 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ናይቲ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ኣንጻር ዕጡቓት ጀነራል ሃፍታር እናተኮሱ - ግንቦት 21 2019

ብጀርመን ዝቐረበ ፃውዒት ዘተ ሰላም ንክሳለጥ ትፅቢት ዝገብር፡ ኣምባሳደር ዩናይት ኪንግደም ኣብ ሊቢያ ነበር፡ ፒተር ሚለት ብወገኑ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለ ግን ነዊሕ ርሕቐት ከምዝኾነ ይገልፅ።

"ሓፍጣር ኣይኽእልን፤ ኣይዕወትን'ውን። ግብፅን ኢማራትን ግን ክኸስራ ኣይደልያን። ግብፃውያን፡ ምዕራባዊት ጎረቤቶም ክቆፃፀሩ እዮም ዝደልዩ። ኣብ ዶብ ግብረ-ራዕዲ (ግብረ-ሽበራ) ክህልው'ውን ኣይደልዩን። ንዕኣቶም ወድዓዊ እዩ" ይብል።

Presentational grey line

"ንኢማራት ዓረብ ድማ፡ ዝያዳ ስነ_ሓሳብ እዩ። ኣብ የመን ከምዘለዎም ኢድ-ኣእታውነት፡ ኣብ ሊቢያ'ውን ምጽዋት ከምዝኽእሉ እየም ዝሓስቡ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ሕዚ ዘሎ ሰንፈላል፡ 'ዘይምዕሩይ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ብምምጻእ፤ ሃልኪ ምስኮነ፡ እቲ ኩነታት ናብ ሚስጥራዊ ልዝብን ፖለቲካዊ ውዕልን ከምርሕ ከምዝኽእል፡ ፒተር ሚለት ይገልፅ።

"ሃፍትታት ነዳዲ ክማቐላ እየን፤ ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዘለዉ ዓሌታትን ህዝብን ድማ ካብቲ ገንዘብ ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም" ብምባል እውን ሓሳቡ ይዛዝም።