እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሜሩን ካብ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ከምእትባረር ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ
ካሜሮን፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተፈጸመ ስምምዕ ንግዲ ከምእትእለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
እዚ ድማ ብሰንኪ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እትፍጽሞ ዘላ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣብታ ሃገር ''ቅትለት፣ ዘይሕጋውን ጅምላውን ማእሰርትን ስቅያትን'' ይፍጸም ከምዘሎ ዝገለጸ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካሜሮን ካብ ጥሪ ሓደ ጀሚሩ ብወግዒ ካብቲ ብሽም ኣጎዋ ዝፍለጥ ስምምዕ ንግዲ ከምእትእገድ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተዛረብቲ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብሉ ክልል ካሜሮን ብዘጋጠሙ ጎንጺታት፡ ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ስቪካዊ ማሕበራት ይገልጻ።
ብተወሳኺ ከባቢ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ካባቢኦም ከምዝተፈናቐሉን፡ 700 ሽሕ ህጻናት ትምህርቶም ከምዘቋረጹን እተን ማሕበራት ይገልጻ።