ላይቤርያ ንኣጋይሽ ብምሕጋዝ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመዐቀኒ ደረጃ ልግሲ 'ወርልድ ጊቪንግ ኢንዴክስ' ኣብ ዘውጸኦ ዓመታዊ ደረጃ፡ ላይቤርያ ንኣጋይሽ ብምሕጋዝ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ።
ንኣጋይሽ ምሕጋዝ፡ ካብቶም እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ገባሪ ሰናይ ትካል 'ቻሪቲስ አይድ ፋዉንዴሽን'፡ ደረጃ ልግሲ ሃገራት ንምውጻእ ዝጥቀመሎም ሰለስተ መዐቀኒታት ሓደ እዩ።
ንገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝወሃብ ገንዘብን ንወለንታዊ ስራሕቲ ዝወሃብ ግዘን እቶም ካልኦት መዐቀኒታት እዮም።
እቲ ጽንዓት 10 ዓመት ዝወሰደን፡ ካብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ዝተሳተፍሉን እዩ።
ኣብቲ ሓፈሻዊ ደረጃ፡ ብልግሲ ኬንያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይቲ ካብ ዓለም ድማ መበል 11 ዝተቐመጠት ኮይና፡ ላይቤርያ መበል 17፣ ሴራልዮን መበል 20፣ ናይጄሪያ ድማ መበል 22 ተቐሚጠን።
ኣፍሪካ፡ ንኣጋይሽ ብምሕጋዝ እያ በሊጻ ተሰሪዓ።
ንላይቤርያ ሓዊሱ ሸውዓተ ሃገራት፡ ሴራልዮን (ካልአይቲ)፣ ኬንያ (ራብዐይቲ)፣ ዛምቢያ (ሓምሸይቲ)፣ ዩጋንዳ (ሻድሰይቲ)፣ ናይጄርያ (ሻብዐይቲ)፣ ማላዊ (ዓሽረይቲ) ብምኻን ኣብ ተርታ ቀዳሞት ዓሰርተ ሃገራት ተሰሪዐን እየን።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







