1.4 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ መንገዲ ባቡር ኬንያ ሎሚ ኣግልግሎት ክጅምር'ዩ

ኬንያ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብታ 120 ኪሎሜተር ንሸነኽ ምዕራብ ርሒቃ እትርከብ ከተማ ናቫሻ ዝዝርጋሕ መንግዲ ባቡር፡ ሎሚ ንገያሾ ኣገልግሎት ክህብ ክጅምር'ዩ።

እዚ ኣስታት 150 ቢልዮን ሺሊንግ (1.4 ቢልዮን ዶላር) ዝወደአ ህንጸት መንግዲ ባቡር፡ ብቻይናዊ ትካል ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ እቶም ብመሬቶም ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ብሄረ ማሳይ መሬታዊ ወደብ ኣብ መሬቶም ንኸይህነጽ ክሲ ስለዘቕረቡ፡ ናይ ደረቕ ኣገልግሎት ንኽጅምር ካብቲ ዝተገመቶ ግዜ ንላዕሊ ክወስድ ምዃኑ እዩ ተነጊሩ ዘሎ።

እዚ ሎሚ ዝኽፈት ዘሎ መንገዲ ባቡር ካልኣይ ገጽ ኮይኑ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ናብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ኣብ ግንቦት 2017 ተመሪቑ፡ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ዋጋ እዚ መንገዲ ባቡር ካብቲ መጀመርታ ዝተተመኖ ኣርባዕተ ዕጽፊ፡ ካብቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዋጋ ኸኣ ሰለስተ ዕጽፊ ብምኽባሩ፡ መንግስቲ፡ ቅርጺ መሬት፡ ብዝሒ ቢንቶታትን ንሰብ መሬት ዝተውሃበ ካሕሳን ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

ካብዚ ንመንገዲ ባቡር መስርሒ ዝተሰለዐ ገንዘብ እቲ 80 ሚእታዊት ካብ ቻይና ብልቓሕ ዝተረኸበ ሰልዲ'ዩ።

ናይ መጀመርታ ውጥን እዚ ህንጸት መንገዲ ባቡር፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ፡ ንናይሮቢ ኣቋሪጹ ብመንግዲ ናቫሻ፡ ናብ ከተማ ኪሰሙ ሰጊሩ ናብ ኡጓንዳ ንኽራኸብ'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ነዚ ፕሮጀክት ንምውዳእ ሃገረ ኬንያ 3.3 ቢልዮን ዶላር ከድልያ እዩ።