እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብቲ ዝዓበየ መንገዲ ባቡር ኬንያ 'ብልሽውና ዝፈፀሙ ቻይናውያን ተኸሲሶም
ሰለስተ ዜጋታት ቻይና፡ ነቶም ኣብ መሸጣ ትኬት መገዲ ባቡር ኬንያ፡ ንዝተጠፋፍአ ገንዘብ ዝምርምሩ ዝነበሩ ሰብ መዚ፡ ጒቦ ክህቡ ብምፍታኖም ተኸሲሶም።
መዓልታዊ ከባቢ 10 ሽሕ ዶላር ይስረቕ ከም ዝነበረ መራኸብቲ ብዙሓን ኬንያ ጸብጺቡ።
ነቶም ሰብ መዚ 5 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ጒቦ ቀሪብሎም ከም ዝነበረ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ።
እዚ ካብ ቻይና ብዝተረኽበ ሰለስተ ቢልየን ዶላር ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር፡ ኬንያ ሉኣላውነታ ካብ ትጎናፀፍ፡ ካብ 1963 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ፡ ኣብታ ሃገር ዝተሰርሐ ገዚፍ መሰረተ ልምዓት እዩ።
ይኹን እምበር እቲ መንገዲ ባቡር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2017 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣደዳ ዓበይቲ ፅያፍ ብልሽውና ኮይኑ እዩ።
እዞም ሰለስተ ዜጋታት ቻይና፡ ሓላፊ ግልጋሎት መጓዓዝያ ሊ ጀን፣ ኣካያዲ ስራሕ ጉዳያት ድሕንነት ሊ ዢያዉን ካልእ ሰራሕተኛ እቲ ፕሮጀክት ሱን ዢንን፡ ኣብ ኮርፖሬሽን መንገድን ድልድላትን ቻይና (CRBC)ዝሰርሑ እዮም።
እዞም ቻይናውያን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኣሰሩ እንትኾኑ፡ ንዝቐረበሎም ክሲ ከም ዘይወዓልዎ ገሊፆም።
ቤትፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ግና፡ ስእልታት እዞም ቻይናውያን ኣብ ትዊተር ለጢፍዎ ኣሎ።
እዚ መዓልታዊ ይጠፋፋእ ከም ዝነበረ ዝተገለጸ ገንዘብ፡ እቲ መገዲ ባቡር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ተሳፈርቲ ኣብ መዓልቲ ካብ ዘእትዎ ዝነበረ መጠን፡ ሓደ ሲሶ ኢዩ።
ኬንያውያንን መንግስቲ እታ ሃገርን ዓብይ ተስፋ ዝገበርሉ እዚ መንገዲ ባቡር፡ ካብ ዝምረቕ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ብልሽውናታት ተፈፂሙ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቲ ባቡር ብዝሓልፈሉ ቦታ፡ ወነንቲ መሬት ብምምሳል ንውልቀ ትካላት ልዕሊ 2 ሚልየን ዶላር ካሕሳ ንዝኸፈሉ ምኽሳሱ ይዝከር።
ኣብቲ ጣብያ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ኬንያውያን ሰራሕተኛታት እውን፡ ብቻይናውያን ኣስራሕቶም ምግላልን ዓሌታውነትን ይበፅሖም ዝብል ክሲ እውን ነይሩ።
እዚ ፕሮጀክት ስራሕ ምስጀመረ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ጥራሕ፡ ኣስታት 100 ሚልየን ዶላር ምኽሳሩ ድማ ብዙሕ ግዘ ወቀሳታት ይስምዑ።
እቲ መስመር ባቡር ኣብ ደቡብባዊ ምብራቕ ኬንያ ብዝርከቡ ሕዛእቲ (ፓርክ) ናይሮቢ ናሽናልን፡ ሳቮ ናሽናልን ኣቢሉ ዝሓልፍ ምዃኑ ድማ ተሓለቕቲ እንስሳት ዘገዳም ተቓውሞኦም ይገልፁ።
ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ እዚ መንገዲ ባቡር እንትምረቕ፡ እዚ ሓድሽ መስመር ባቡር፡ ኣብ ታሪኽ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ክብሉ ገሊፆሞ ነይሮም።
እዚ መስመር ባቡር ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብ ሞምባሳ ዝተዘርገሐ እንትኸውን፡ ህንፀቱ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ እዩ ተዛዚሙ።