እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለማዊ መዓልቲ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራትን
ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኣበርክቶ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ተፈላጥነትን ኣኽብሮትን ንምሃብ ነብሲ ወከፍ 15 ጥቅምቲ ብዓለም ደረጃ ንኽትበዓል ከምዝወሰነ ይዛረብ።
መንብሮን ህይወትን ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ክመሓየሽን ኣብ ሕርሻን መፍረ ጥሪትን ዘለወን ግደ ክዓብን ክምዕብልን ከኣ ይሰርሕ።
ኣብዛ ዕለት እዚኣ፡ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ኮማትን ዓድታትን፡ ማሕበራትን ትካላትን መራኸቢ ብዙሓን ሬድዮታት፣ ቴለቪዥናት፣ ጋዜጣታት ሞያውያን ማሕበራት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ንኣበርክቶ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ኣፍልጦ ንምሃብን ደረጃ መነባብሮአን ንምምሕያሽን ዝሕግዝ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ሓበሬታ ይዝርግሓን የጎሳጉሳን።
እዚ ዕለት፡ ንኸም ኤርትራውያን ኣደይ ብርኽቲ፡ ኣደይ ደሃብን፡ ባዕላ ኣብዑራ ጸሚዳ እትሓርስ ወይዘሮ ለተንችኤልን ዑረትን ጸልማትን ከይደረታ ብደቃ እናተመርሐት ሕርሻኣ እተካይድ ዓይነ ስውርቲ ሕልፊ ሓረስቶት ተጋሩን ብኸመይ ኮን ትዝክረን ትኸውን?
"ሎሚ መዓልቲ ሓረስቶት ኣዴታት ርሑቕ ገጠር ምዃኑስ ትፈልጢ'ዶ" ተባሂላ ዝተሓተተት፡ በዓላት ብርኽቲ ምኪኤልን፡ ማርያምን ኪዳነ ምሕረትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ህይወታ ጽልዋ ንዘይብሉ ዓለማዊ መዓልቲ ሕርሻ'ዶ መዓልቲ መግቢ እንዶ ስለዘይብላ፡ እናሰሓቐት "ሰሚዐዮ እኳ ኣይፈልጥን፡ ግን ሕራይ፡ እንታይ'ከ እዩ ዝገብር እዚ ዕለት" ክትብል ሕቶ ኣስዓበት።
ሓታቲ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ እዛ ዕለት ዝብሎን ስለምንታይ ከምዘብዕላን ተንቲኑ፡ ምስ ሕርሻን ምርባሕ ከብትን ዝተተሓሓዘ ህይወታ ከመይ ከምዘሕለፈቶ ተወከሳ።
ብዛዕባ እቲ ካብ ቁልዕነታ ኣብ መጓሰን ሕርሻን ንስድራኣ እናሓገዘት ካብ 14-17 ዕድመኣ ተመርዕያ፡ በኹሪ ውላዳ ተበኲራ ብርካን ሓዳራን ፈልያ፡ ኣብ ኩሉ ዕዮ ሕርሻ ምስ በዓል ቤታ ዘሕለፈቶ፡ ኣበርክቶ ቓልሲ ናጽነትን መኸተ ተጋድሎን ዝተወሰኾ መጻሕፍቲ ዘይኣኽሎ ውዕሎን ተመኩሮን ብውሑድ ቃላት ተዛረበቶ።
ህይወት ሓረስታይ ኣደ ነፍሲ ወከፍ ቤትን ሓደ እዩ። ዕዮኣ ድሕሪ ደርሆ ነቆ ለይቲ ምድሪ እዩ ዝጅምር።
ሽዑ ካብ ድቃሳ ነቒሓ፡ ስድራኣ ክትዕንግል መጥሓን ኣስፊላ ትጥሕን፡ ጎድኒ ጎድኑ ከኣ ዕንጨይቲ ኣናኺሳ መጎጎ ወይ ሞቕሎ ኣጒዳ ቅጫኣ ትቕጭቅጭ ወይ ጣይታኣ ትጥብት፡ ኣብቲ ሓደ እቶን ከኣ ጻሕላ ሰኽቲታ ጸብሓ ትሰርሕ።
አዕዋፍ ሰማይ ምድረ ሰማይ ምውግሑ ምስሓበራን ደርሆ ገዛ ሰለስተ ሳዕ ምስነቀወን ሓረስታይ ነቒሑ ዝቕመስ ቀሚሱ፡ ናውቲ መሳርዑ ጸይሩ በዓልቲ ቤቱ ዝቛጸረትሉ ዘርኢ ሒዙ ናብ ማሕረስ ይግስግስ። ኣደይ ብርኽቲ ከኣ ደቃ ዓንጊላን ነናብ ዋኒኖም ኣዋፊራን፡ ምሳሕ በዓል-ቤታ ሒዛ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ኢዳ ክትጽንብር ዓፊሻ ጸይራ ውላዳ ሓዚላ ናብ ግራታ ትስዕብ።
"ከምዚ ኢልና ካብ እግሪ ኣሚንና ከይተረፍና፡ ካብ ጽግእን ዘርእን፡ ካብ ጉስያን ጻህያይን፡ ካብ ዓጺድን ዓውድን ካብ እግሪ ሓረስታይ ከይበኾርና ፍርቂ ደርዘን ቆልዑ አዕቢና ኩሎም ናብ ቃልሲ ናጽነት ኣሰሊፍናዮም" ብምባል ምስ ዕዮ ሕርሻ ዘጋጠማ ከቢድ መዋእል ሻቕሎትን ናፍቖትን፡ ቁርን ጽምዋን ብምስትንታን፡ "ንፈጣሪ ግን ኣይነምርሮን - ባዕሉ ረዲኡና። ሕጂ ኸኣ ንሱ እምበር፡ እዚ እዛ ዕለት መዓልትኽን፡ መዓልቲ ጻዕርኽን እዩ ዝብል ዘሎስ ዝገበረልና ኣይረኣናን" ብምባል ናብ ሰሓቓ ኣተወት።
ከምቲ "ታሪኽ ነብሲ ወከፍ ሓረስታይ ኣደ፡ ሓደን ተመሳሳልን እዪ ዝበለቶ" ኣብ ዓመታዊ ዑደት ሕርሻ ዕዮን ጻዕርን ናብራ ሓረስታይ ኣደ ብዙሕ ኣይፈላለን እዩ።
ናይ በዓል ወይዘሮ ለተንችኤል፡ ባዕላ ኣብዑራ ጸሚዳ እትሓርስ ሰበይትን፡ ዑረትን ጸልማትን ከይደረታ ብደቃ እናተመርሐት ሕርሻኣ እተካይድ ዓይነ ስውርቲ ሓረስታይ ሕልፊ ግን ደገፍ በዓል-ቤትን ተባዕታይን ስለዘይብሉ ድርብን ዝኸበደን እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ታሪኽ ናይዘን ክልተ ጻዕራማት ሓረስቶት ኣዴታት ትግራይ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ።
"ሓንሳብ'ዶ ክብርየኩም!" ብምባል በዓል ቤታ ብህይወት እንከለው ዕርፊ ምሓዝ ዝጀመረት፡ ነባሪት ወረዳ ወርዒለኸ ጣብያ ዞንጊ ቁሸት እንዳ ኣርባዕተ እንስሳ ወይዘሮ ለተንቺኤል፡ ነገር ዓለም ኰይኑ ኣሚና ሽዱሽተ ቈልዑ ሓዲጉላ ብሕማም ምስ ዓረፈ፡ "ዓዲ ከይብሉኒ" ከይበለት ዋኒን ሕርሻ ባዕላ እያ ተታሒዛቶ።
ካብ ዝናብ ሰማይ ጥራሕ ከይተጸበየት ከኣ ሞተር ማይ ዓዲጋ፡ ዓመት ምሉእ ካብ ዝውሕዝ ኣብ ጥቓ ግራታ ካብ ዝርከብ ሩባ ማይ ኣልያ ክረምትን ሓጋይን ምህርቲ እናሓፈሰት ደቃ ተምህርን ተዕብን ጻዕራም ኣደ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክትዝከርን ክትክበርን ጥራሕ ዘይኮነ ክትሽለምን ክትተባባዕ እውን ግቡእ ምኾነ።
ነባሪት እንሳ ማርያም ሸዊቶ፡ ኣብ ሻብዓይ ዓመታ ብሕማም ብርሃን ዝሰኣነት ልበ ብርሃን ዓይነ ስውርቲ ሕልፊ እውን ካልእቲ ኣብነታዊት ሓረስታይ ኣደ እያ።
"ልቢ እምበር ዓይኒ ኣይርእን" ንዝብል ምስላ ብተግባር ዘመስከረት፡ ብደቃ ተመሪሓ ናብ ግራታ ወፊራ፡ መሬት ኵዒታ፣ ዘሪኣ፣ ኰስኵሳን ጽህያን ቆፎኣ እትመልእ እሞ ኸኣ እናተመርሐት ዕዮኣ ተካይድ ዓይነ ስውርቲ ኣደ ምህላዋ ምንጋር ንብዙሓት ዘደነቐ እዩ።
አሕዋታን ደቂ ዓዳን ከኣ ኣድኒቖምን ተገሪሞምን ጥራሕ ስቕ ኣይበሉን ብዓቕሞም "ኣጆኺ" ኢሎም ሞተር ማይ ዓዲጎሙላ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ሓረስቶት ኣዴታት፡ ዝኽርን ክብርን ስለዝኾነ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽሪ ዓለማዊ መዓልቲ መግቢ ክለዓል ግቡእ እዩ።
ነዛ መዓልቲ ብኽብሪ ዝዝክራ ሕቡራት ሃገራት ኣብዛ ዕለት ከም፦
- ንደቀንስትዮ ርሑቕ ገጠራት ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ዕቤትን ዝሕግዝ ከም ኣስተምህሮን ምኽርን ምሃብ
- ንመነባብሮ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ንምምሕያሽ ዝውዕል ብልቓሕን ደገፍን ዝወሃብ ሓገዝ ምትብባዕ
- ኣበርክቶ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ዘንጸባርቕ ናይ ምርኢት መድረኻት ምክያድን ዝተፈለላየ ዓውደ መጽናዕቲ ምስንዳእን።
- ዝምልከቶም ሓንጸጽቲ ፖሊሲ መንግስታት መነባብሮ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ንምምሕያሽ ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምትታት ምሕባርን ምንጋርን ክፍጸሙ ምድፋእን ምዝኽኻርን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት የካይድ።
ብኣበርክቶን ንጥፈታትን ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ዓለምና ዝተተንከፉን ዝተጸለውን ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃገራት 15 ጥቅምቲ ንዝኽረን ክትክበር ብዘቕረቡዎ ሓሳብ እያ እዛ ዕለት ካብ 2008 ኣትሒዛ ብዓለም ደረጃ ትኽበር ዘላ።
ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ኣብ ሕርሻን መፍረ ጥሪትን ዓቕመን ብዘፍቅዶ ንዝገብረኦ ኣበርክቶ ተፈላጥነትን ክብረትን ንምሃብ እያ ተሓርያ።
ድሮ ዓለማዊ መዓልቲ መግቢ 15 ጥቅምቲ ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ኮይና ክትበዓል፡ ኣብ 1995 ኣብ ራብዓይ ዋዕላ ኣህጉራዊ ጉባኤ ደቀንስትዮ ኣብ ቤጂንግ ቻይና እዩ ተኣሚሙ።
ይኹን እምበር እዛ ዕለት ቅድሚ እቲ ኣብ ቤጂንግ ከም እማመ ምቕራባ፡ ብዘይ እውጅ መገዲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ንዓሰርተታት ዓመታት ክትክበር ጸኒሓ እያ።
"ኣቱም ሰብ ብርዒ፡ ዝሕግዝ ክሕግዝ፡ ዘድንቕ ከድንቕሲ፡ ታሪኽ እተን ጻዕራም ኣዴታትኩም፡ ኣንስትኹም፡ አሕዋትኩም፡ ደቅኹም፡ ብጾትኩም ጸሓፉን ሰንዱን። ሽዑ ፍርቂ ኣካልኩም ስለዝኾና ንስኻትኩም እውን ክትከብሩ ኢኹም!" ለበዋ መዛዘሚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ኣዴታት ርሑቕ ገጠር ዓለምና ምስ ኣደይ ብርኽቲ ዝተገብረ ዕላል እዩ ነይሩ።