ክልል ደቡብ፡ ኣብ ኮንታ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 22 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Facebook/SEPD FACEBOOK PAGE
ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ኮንታ፡ ለይቲ 2 ጥቅምቲ 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት፡ ኣባላት ሓሙሽተ ስድራ ከም ዝሞቱ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣቶ ፋሲካ ሙሉጌታ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም ስድራ ዝነብሩሎም ዝነበሩ ገዛውቲ ብምጥሓሎም 22 ሰባት ምማቶም እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ኩሎም እንስሳታት ናይቶም ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከም ዝሞቱን ዘራእቶም ከም ዝጠፍአን ኣቶ ፋሲካ ሙሉጌታ ገሊጹ።
ሓበሬታ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ እቶም ግዳያት ኣጋይሽ እንተዳኣ ነይሮም፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣቶ ፋሲካ ይዛረብ።
ክሳብ ሐዚ ሬሳ 17 ሰባት ብጉልበት ሰባት ተፋሒሩ ከም ዝወጸን ናይቶም ዝተረፉ ሰባት ሬሳ ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ኣብቲ ወረዳ ዱካ ዛላ ቀበሌ 03 ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እቶም ነበርቲ ለይቲ ኣብ ድቃስ እናሃለዉ ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ዝሰዓበ ምኻኑ ኣቶ ፋሲካ ይገልጽ።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ 4 ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕን ምህማም መሬትን ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ ዓመት 24 መስከረም ብዘጋጠመ ካሊእ ምህማም መሬት ድማ፡ ዘራእቲ ከም ዝጠፍአን 130 ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ከም ዝርከቡን ተዛሪቡ።
ኣቀማምጣ መሬት ወረዳ ኮንታ ዓቐብ ቁልቁል ዝበዝሖ ብምዃኑ ሕዚ'ውን ሓደጋ ምህማምን ውሕጅን ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝሕብር ኣቶ ፋሲካ፡ መንግስቲ እቲ ክልልን ፌደራልን ዘተኣማምን መፍትሒ ከናድዩ ጸዊዑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







