እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ዓፋር 17 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ዓፋር፡ 17 ሰባት ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ፡ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ሑሴን ዓሊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ናብ ቀዳም ዘወግሕ ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ግዳያት፡ ቆልዓ ሱዱሽተ ዓመት፣ ደቂኣንስትዮን ኣረጋውያንን ይርከብዎም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ብጉስነት ዝናበሩ ማሕበረሰብ ዝነብርሉ ወረዳ ኣፋምቦ፡ ፍሉይ ስሙ ኦብኖ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ'ዩ ተፈጺሙ።
ብውሕዱ 34 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፡ ኣርባዕተ ትሕቲ 7 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑን፡ 9 ደቂኣንስትዮን ይርከብዎም።
እቶም ቁሱላት፡ ኣብ ኣሳሓይታን በዱብቲን ዝርከቡ ሆስፒታላት ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ኣማሓዳሪ ሓቢሩ።
ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ድማ ናብ ሆስፒታል መቐለ ተወሲዶም ኣለዉ ኢሉ።
እቶም ዛጊት [ዛጊድ] መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ሓያሎ እንስሳታት ከም ዝቐተሉን፡ ንብረት ከም ዘዕነዉን'ውን ተገሊጹ።
ጠንቂ ናይቲ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ'ኳ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝውልዑ ዝነበሩ ጎንፍታት ብምብጋስ፡ መሬት ንምውራር ዘበገሶ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ኣቶ ሑሴን ተዛሪቡ።
"ናይ መሬት ወራር'ዩ። እቲ መሬት ኣብ ትሕቲ ክልል ሶማሊ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ይህልዉ'ዮም ኢለ'የ ዝግምት። ስለዚ ናይ መሬት ወራር'ዩ እምበር ካልእ ምኽንያት የለን" ኢሉ።
እቲ ምኽንያት ንሱ ምዃኑ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ ተባሂሉ ምስ ተሓተ፡ ኣቶ ሑሴን፡ ቅድሚ ሕጂ እንስሳ እናዘመቱን ሰብ እናቐተሉን ይኸዱ ምንባሮም'ዩ ዝገልጽ።
ነቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትውዎም'ኳ እንተ ዘይካኣሉ፡ ካብቲ ዝረኸብዎ ናይ መንነት ሰነዳትን ካልእ ሓበሬታታትን ግን፡ መንንነቶም ክርድኡ ከም ዝኸኣሉ እቲ ኣማሓዳሪ ኣተንቢሁ።
ብዛዕባ'ቲ ዝተጠቕምሉ ኣጽዋር ክዛረብን እንከሎ ድማ፡ "ከም ብሬንን ቡምባ ዝበሉ ከበድቲ ናይ ውግእ ብረታት ተጠቒሞም" ይብል።
እቲ ግዳይ ዝኾነ ማሕበረሰብ ካብ ዝወሰዶ ናይ ምክልኻል ወጻኢ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዘይነበረ ዝገለጸ እቲ ኣማሓዳሪ፡ እቶም ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ናብቲ ዝመጽእሉ ከባቢ ከም ዝተመለሱ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል፡ ኣቶ ኣሕመድ ካሎይታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዶብ ጂቡቲ ሰጊሮም ዝመጹ፡ ከበድቲ ብረታት ዝዓጠቑ ሓይልታት ዝፈጸምዎ'ዩ ክብል ከሲሱ።
እንተኾነ ግን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዶብ ዝሰገረ ሰራዊት ወይ ዕጡቕ ከምዘየለ ከም ዘረጋገጸ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
"እቲ መጥቃዕቲ ዘሕዝንን ዘሕምምን'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ብቀንዱ ንህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዒላማ" ዝገበረ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ሰብመዚ እቲ ክልል ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሙሉ ከባቢ ከም ዝበጽሑ እቶም ሰብመዚ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ከባቢ ኣስታት 400 ዝኾኑ፡ ብጉስነት ዝናበሩ ሰባት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እቲ ከባቢ ኣብ ዶባት ዝርከብ ብምዃኑ፡ ኮንትሮባንድ (ዘይሕጋዊ ንግዲ) ብዘንቀሎ ጉዳያት፡ ብቐጻሊ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታትን ጎንፅታትን ክርኣየሉ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ ሰብመዚ እቲ ክልል ይዛረቡ።
ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትን እንዳታትን ዝጸንሐ ግጭት'ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ምኽንያታት ናይቲ መጥቃዕትታት ምዃኑ ይንገር።