ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ፡ ንቻይና ክመቓቕሉ ዝፍትኑ 'ክጉዘዩ'ዮም' ኢሉ

ኣብ ሆንግ ኮንግ ብሰላም ዝጀመሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ናብ ጎንጺ ኣምሪሖም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሎም ቅነ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ብሰላም ዝጀመሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ናብ ጎንጺ ኣምሪሖም እዮም

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ኣንጻር ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ተቓውሞታት፡ ተሪር መጠንቀቕታ ሂቡ።

ዝኾነ ንቻይና ንምምቕቓል ፈተነ ዝገብር "ሕቖኡ ክጉዘ፡ ኣዕጽምቱ ድማ ከም ሕሩጭ ክጠሓን እዩ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ሓይለ-ቃል ዘስምዐ፡ ብሰንበት ናብ ኔፓል ኣብ ዝገሸሉ እዋን ምዃኑ ሲሲቲቪ ጸብጺቡ።

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ነዚ ርእይቶ ክዛረብ እንከሎ፡ ዝኾነ ዞባ ኣይጠቐሰን፤ ግን ከኣ እቲ መጠንቀቕታ ንሆንግ ኮንግ ዝምልከት ከም ዝኾነ ተገሚቱ'ሎ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ ኣንጻር ቤይጂንግ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞታት ዝካየድ ዘሎ ኾይኑ፡ ብሰንበት ብሰላም ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ እዩ።

ሰልፈኛታት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን ደገፍቲ-ቤይጂንግ እዮም ተባሂሎም ዝእመኑ ትካላትን ኣዕንዮም።

ዢ ጂንፒንግ እንታይ እዩ ኢሉ?

"ንዝኾነ ዞባ ካብ ቻይና ክንጽል ዝፍትን ዝኾነ ሰብ ክጠፍእ እዩ፡ ሕቖኡ ክጉዘ፡ ኣዕጽምቱ ድማ ከም ሕሩጭ ክጠሓን እዩ" ከም ዝበለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ዢ ጂንፒንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

"ንምምቕቓል ቻይና ዝድግፉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ብህዝቢ ቻይና ከም ሓለምቲ እዮም ዝረኣዩ" ድማ ኢሉ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ተቓውሞታት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ቻይና ነቲ ኣድማ የጋድድ ኣለዉ ንዝበለቶም "ደጋዊ ሓይልታት" ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻይና ጣልቃ ይኣትዋ ኣለዋ ክትብል ድማ ትኸስስ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ሆንግ ኮንግ ኣካል ቻይና እያ፡ ግን ከኣ ልዑል ርእሰ ምምሕደራዊ ናጽነት ኣለዋ። ናይ ርእሳ ስርዓት ሕግን ፍትሕን ዘለዋ ክትከውን ከላ፡ ህዝቢ ሆንግ ኮንግ ካብቲ ኣብ ካልእ ቻይና ዝነብር ህዝቢ ዝያዳ ናጽነት ኣለዎ።

ዝንባለታት ኣንጻር-ቤይጂንግ እናዓበየ ካብ ዝመጽእ ጸኒሑ እዩ፡ ግን ድማ እቲ ዝሓየለ ተቓውሞታት ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እዩ ጀሚሩ።

ብገበን ዝተጠርጠሩ ሰባት ካብ ሆንግ ኮንግ ወጻኢ ናብ ዘሎ ግዝኣት ቻይና ከይዶም ክፍረዱ ዝጠልብ ሕጊ ምስ ረቐቐ እዩ እቲ ተቓውሞታት ተወሊዑ።

እዚ ሕጊ፡ ኣንጻር መንግስቲ ቤይጂንግ ንዝጉስጉሱን ዝነቕፉን ደቂ ሆንግ ኮንግ ንምእሳር ክውዕል እዩ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ብዙሓት እዮም። ንናጽነት ስርዓት ፍትሒ ሆንግ ኮንግ ዘናእስ እዩ ዝብሉ'ውን ኣለዉ።

መንግስቲ ነቲ ዝተወጠነ ሕጊ ክገድፎ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ተቓውሞታት ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ከይዱ።

እቶም ተቓወምቲ፡ ሕዚ ሓሙሽተ ጠለባቶም ክማላእ እዮም ዝደልዩ። እዚ ድማ፡ ሆንግ ኮንግ ምሉእ ዲሞክራሲ ክትጎናጸፍን፡ ፖሊስ ዝወሰዶ "ዓቐኑ ዝሓለፈ" ስጉምቲ ክጻረይ ኣለዎ ዝብሉ ጠለባት ዝሓወሰ እዩ።