ሞት ብ'ሰልፊ'፡ ኣርባዕተ ሰባት ናብ ዲጋ ጥሒሎም ሞይቶም

ፖሊስ ደቡብ ህንዲ፡ ኣብ ሓደ ዲጋ 'ሰልፊ' ዝስኣሉ ዝነበሩ ሓንቲ ሓዳሽ መርዓትን ሰለስተ ኣባላት ስድርኣን ሞይቶም ኢሉ።

እዚ ፍጻመ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ታሚል ናዱ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ዲጋ ፓምባር እዩ ኣጋጢሙ።

ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም 'ሰልፊ' እናተሳኣሉ፡ እቲ ሓደ ሸተት ኢሉ ወዲቑ ነቶም ካልኦት ምስ ደፍኦም'ዮም ተተሓሒዞም ጸዲፎም።

በዓል ቤት እታ መርዓት ግን፡ ንነብሱን ሓፍቱን ከድሕን ክኢሉ።

ኣብ ዓለም 'ሰልፊ' እናተሳኣልካ ብዘጋጥም ሞት ህንዲ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ሃገራዊ ቤተ መጽሓፍቲ ኣሜሪካ፡ ካብ 2011 ክሳብ 2017 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ህንዲ 259 'ሰልፊ' እናተስኣሉ ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ሩሲያ፣ ኣሜሪካን ፓኪስታንን ድማ ብቅደም ተኸተል ንህንዲ ይስዕባኣ።

ጋዜጣ ሂንዱ ከም ዝጸብጸቦ፡ እዞም ሓደሽቲ መርዑት፡ ብሰንበት ናብ ስድራ እንዳ መርዓት ክበጽሑ ምስ መጽኡ'ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ሰለስቲኦም ተተሓሒዞም ናብቲ ማይ ዝጠሓሉ እንትኾን፡ ካብዚኦም እቲ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ሸተት ኢሉ እንትወድቕ፡ ነታ መርዓትን ሓፍቲ እቲ መርዓውን ሓዊሱ ቆልዑ 18ን 19ን ዝኾና ኣሕዋቱ ጎቲቱ ሒዙወን ከም ዝጸደፈ ተገሊጹ።

ኣርባዕቲኦም ድማ፡ ኣብቲ ማይ ኣትዮም ጠፊኦም። ፖሊስ፡ ሬሳ እቶም ሙውታት ከም ዝረኸበ ብምግላጽ፡ ናይ ሬሳ መርመራ ክግበር'ዩ ኢሉ።

ኣብ ህንዲ፡ እዚ ሓደጋ ዓብዪ ቁጥዐ ፈጢሩ'ዩ። ሰብሞያ ድማ፡ ሰባት 'ሰልፊ' ተሳኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ መሓዙቶምን ስድርኦምን ንምምሳጥ ዝወስዱዎ ኣድላዪ ዘይኮነ ተግባራት ጠጠው ከብሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ 2017፡ ካርናታካ ዝተብሃለት ዞባ ህንዲ፡ ኣርባዕተ ተመሃሮ በዚ ምኽንያት ምስ ሞቱ፡ ህዝባ ንክተጠንቅቕ፡ 'ሰልፊ ይቐትል'ዩ' ዝብል ጎስጓስ ኣካይዳ ነይራ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኣብዚ ቦታ፡ ምስ ሓርማዝ 'ሰልፊ' ዝስኣል ዝነበረ ሰብኣይ፡ ዝተቖጠዐ ሓርማዝ ብንጎቱ ጨፍሊቑ ቐቲሉዎ'ዩ።