እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ወጻእተኛታት መጻምዲ ኣብ ሆቴል ክሓድሩ ከም ዝኽእሉ ገሊጻ
ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዙርያ ደቂ ኣንስትዮ፣ መጻምድን ኣከዳድናን ዘለዋ ሕጊ ኣዝዩ ጥቡቕ ምኻኑ ይፍለጥ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ሆቴል ክሓድሩ ናብ ሆቴል ዘምርሑ መጻምዲ፡ ሆቴላታ ብቐሊሉ ክፍሊ ሒዞም ብሓንሳብ ክሓድሩ ኣየፍቅዳን።
እቶም ዘአንግድኦም መጻምዲ ዝተመርዓው ምኻኖም ዘረጋግጽ ሰነድ ከቕርቡ እንተሓታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንብሕተን እንተኾይነን ድማ ይኽልኽላ ነይረን።
ጥቡቕ ሕጊ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕጂ ንበጻሕቲ ዓዲ ወጻእን ሰብ ሃብትን ዘለዋ ምስሊ ኣብ ምቕያር ትጽዕር ኣላ። እቲ ዝጸንሐ ሕጊ ድማ፡ ንበጻሕቲ ዓዲ ተቐይሩ'ሎ።
መንግስቲ ንግስነት ስዑድ ዓረብ፡ ዘይተመርዓው መጻምዲ ሃገራት ወጻኢ፡ ኣብ ሆቴላት መደቀሲ ክፍሊ ክሕዙ ብምፍቃድ፡ ደቂ ኣንስትዮ'ውን፡ ኣብ ዝሓዝኦ ሆቴል ንብሕተን ክኾና ከም ዝኽእላ ሓቢሩ።
እዚ ኣካል እቲ ሓድሽ 'ቪዛ' ምኻኑ ይግለጽ። መንግስቲ እታ ሃገር ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ብመሰረት ዝሓዞ መደብ፡ ለውጥታት ይገብር ኣሎ።
"ዜግነት ስዑዲ ዓረብ ዘለዎም ኩሎም፡ ሆቴል እንትሕዙ መለለዪ መንነት ስድርኦም ከርእዩን ዘለዎም ርክብ ግልጺ ክገብሩን ይሕተቱ" ኢሉ፡ ኮሚሽን ቱሪዝምን ሃገራዊ ሓድግን ስዑድ ዓረብ።
"እዚ ንበጻሕቲ ዓዲ ወጻኢ ኣይጥምትን" ዝበለ እቲ ኮሚሽን፡ "ዜጋታት ስዑዲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ኩለን፡ መለለዪ መንነት ከም ዘለወን ኣረጋጊጸን ኣብ ሆቴል ንብሕተን ክጸንሓ ይኽእላ'የን" ኢሉ።
እዚ ሓድሽ መምርሒ ቪዛ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጻኢ ክሽፈና'ኳ እንተዘይ ሓተተ፡ ትሕትና ዝተመልኦ ወይ ምቑልል ኣከዳድና ክኽደና ከም ዘለዎን ግን ይድንግግ።
ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ገደብቲ ዝበሃሉ ሕግታት ስዑዲ ኣብ ምልሕላሕ ለውጢ ዝገብር ዘሎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክዝውራ፣ ብዘይ ሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ናብ ወጸኢ ሃገር ክገሻ ኣፍቂዱ'ዩ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ደቂተባዕትዮ ጥራይ'ዮም ፍቓድ መምርሒ መኪና (ባቴንቲ) ክሕዙ ዝፍቀደሎም፤ መኪና ክዝውራ ዝተረኽባ ደቀንስትዮ ድማ ማእሰርትን ካልእ ከቢድ መቕጻዕትን የጓንፈን ነይሩ።
ኤዲተር ጉዕዞ መርበብ ሓበሬታ ኢንዲፐንደንት ስምኦን ካልደር፡ ኣብ መስርሕ ቪዛ ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኸዱ በጻሕቲ ዓዲ ክውስኽ ክሕግዛ ይኽእል'ዩ ኢሉ።
እንተኾነ፡ እዞም ምምሕያሻት፡ ብኸም ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ዝበሉ ዘካትዑ ጉዳያት ዝተዓብለለ'ዩ ዘሎ።