"ካብ ሕጂ ንንየው ንዓለም ብዝተፈለየ ኩርናዕ'የ ክርእያ" ኣቦ ደራፊት ብዮንሰ

ኣቦ ፍልጥቲ ደራፊት ብዮንሰ ዝኾነ ማቲው ኖውለስ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት መንሽሮ ጡብ ከምዘለዎ ከምዝተሓበሮ ገሊጹ።

እዚ ወዲ 67 ዓመት ዝኾነ ኣቦ፡ ኣብ መደብ 'ጉድ ሞርኒንግ ኣሜሪካ' ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

ማቲው ኖውለስ፡ ኣብ ክዳኑን ቀልቀሉን ነጠብጣብ ደም ምስ ርኣየ፡ ናብ ሕክምና ኸይዱ፡ መርመራ ምስ ገበረ፡ መንሽሮ ጡብ ከምዘለዎ ከም ዝተሓበሮ እዩ ገሊጹ።

"ኣብቲ መጀመርታ ንምንታይ ንዓይ ዝብል ስምዒት ወሪሩኒ ነይሩ" ዝበለ ክኢላ ሙዚቃን መዳርን ማቲው ኖውለስ፡ ድሒሩ ግን ክቕበሎን፡ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ክሓስብ ከምዝጀመረ ገሊጹ።

መንሽሮ ጡብ ደቂ ተባዕተዮ፡ ስሕት ስሕት ኢሉ ዝረአ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 60 ዓመት ዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ የጥቕዕ።

መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ካብ ብዙሕ ነገራት ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ዝተነገሮ ማቲው ኖውለስ "ካብ ሕጂ ንንዮው ንዓለም ብዝተፈለየ ኩርናዕ'የ ክርእያ፡ እቶም ኣብ ሂወትይ ኣገደስቲ እዮም ዝብሎም ዝነበርኩ ገለ ንጥፈታት፡ ሕጂ ግን ኣገደስቲ ኣይኮኑን" ኢሉ።

ማቲው ኖውለስ፡ ኣብ ስራሓቲ መዚቓ ዓቢ ስም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንደስቲኒ ቻይልድ ዝጥርንፍ ዝነበረ ሰብ እዩ።

መንሽሮ ጡብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2017፡ 319 ደቂ ተባዕትዮ፡ 46000 ደቂ ኣንሰትዮ መንሽሮ ጡብ ከምዝተረኸቦም ካብ ሃገራዊ ስታትስቲክስ እታ ሃገር ዝተረኸበ ጸብጻብ ይሕብር።